ጅቡቲ፣ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ጽሩይ ዝስተ ማይ ንምጽራይ ናይ 63 ሚልዮን ዶላር ፕሮጀክት ምስ ኩባንያታት ፈረንሳን ስጳኛን ከቲማ

ጅቡቲ፣ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ጽሩይ ዝስተ ማይ ንምጽራይ ናይ 63 ሚልዮን ዶላር ፕሮጀክት ምስ ኩባንያታት ፈረንሳን ስጳኛን ከቲማ

Radio Erena: 01 September 2017

djibouti

ጅቡቲ፣ ካብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ዝስተ ማይ ብምጽራይ ናብ ህዝቢ ንምዝርጋሕ ዘኽእላ ናይ ልዕሊ 63 ሚልዮን ዶላር ፕሮጀክት ምስ ናይ ፈረንሳን ስጳኛን ኩባንያታት ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ምኽታማ ማዕከንዝ ኤና ፈረንሳ ለ ፊጋሮ ሓቢሩ።

እታ ሃገር ብቀጻሊ ንጸጋጥማ ዘሎ ዋሕዲ ዝስተ ማይ፣ ሓንሳእን ንሓዋሩን ንምፍታሕ ኤፋዥን ምስ ዝተባህለ ናይ ፈረንሳ ኩባንያ ናይ 37 ሚልዮን ዶላር ውዕል ክትክትም እንከላ እቲ ዝተረፈ ከኣ ኤሲኤስ ምስ ዝተባህለ ናይ ስጳኛ ኩባንያ ዝተሰማምዐቶ’ዩ።

እቲ ብተሓዳሲ ጸዓት ክካየድ ምዃኑ ዝተገልጸ ፕሮጀክት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ክዛዘም’ዩ።

 

እቲ ፕሮጀክት ድሕሪ ምዝዛሙ፣ መዓልታዊ 45 ሽሕ ትርብዒት ሜተር ጨዋም ማይ ካብ ባሕሪ ብምጽራይ ንኣገልግሎት ዝስተማ ክቕርብ’ዩ።
=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0