ሓድሽ መጠን ክፍሊት ክራይ ኣባይቲ፣ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ይደናጎይ

ሓድሽ መጠን ክፍሊት ክራይ ኣባይቲ፣ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ይደናጎይ

Radio Erena: 31 August 2017

asmካብ 1 ነሓሰ ኣትሒዙ ክትግበር ምዃኑ ዝተኣወጀ ሓድሽ መጠን ክፍሊት ክራይ ናይ ብሕቲ መንበሪ ኣባይቲ፣ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ዛጊት ዝተጀመረ ዝኾነ መስርሕ ይካየድ ከምዘየሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ገሊጾም።

እቲ ኣብ መንጎ ኣካረይትን ተኻረይትን ዝጸንሐ ምፍሕፋሕ ብዝበኣሰ ከየጋድዶ ተሰጊኡ ምህላዉ ክግለጽ ጸንሐ ሓድሽ መጠን ክፍሊት ኣባይቲ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ምምሕዳራት ብዝግበር ስምምዕ ካብ 1 ነሓሰ ግብራዊ ከምዝኸውን’ዩ ተሓቢሩ።

እንተኾነ፣ ሓደ ወርሒ ሓሊፉ ዛጊት ዝተተግበረ ይኹን ዝተጀመረ መስርሕ ከምዘየሎ እቶም ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ መምርሒ፣ መጠን ክፍሊት ክራይ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ብዓቐን፣ ስፍሓትን ዝርከበሉ ከባቢታትን ዝምርኮስ ኮይኑ፣ 20 ትርብዒት ሜትሮ ንእትግመት ተራ መንበሪ ገዛ እቲ ዝኸበረ መጠን ክራይ 600 ናቕፋ’ዩ።

ተኻረይቲ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ተሰሊዑሎም ዘሎ መጠን ክፍሊት ክራይ መንበሪ ኣባይቲ፣ ከም ካንሸሎ ንዝኣመሰለ ብሓባር ዝጥቀምሉ ክፉት መሬት ፣ ንሓደ ትርብዒት ሜትሮ ብሕሳብ 50 ሳንቲም ክኸፍሉ’ዩ ተሰሪዕሎም ዘሎ።

ይኹን’ምበር እቲ መንግስቲ ቅድሚ ሕጂ ንዞባ ማእከል ጥራይ ዝምልከት ዘውጽኦ ተመሳሳሊ መምርሒ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዘይክኣለን በንጻሩ ንኣካረይትን ተኻረይትን ከምዘናቖተ ኣይርሳዕን።

እዚ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ክትግበር ኣዋጅ ዝወጸሉ ሓድሽ መምርሒ’ውን፣ መንግስቲ ብግቡእ ከተግብሮን ክከታተሎን ከምዘይኮነን፣ ብኣንጻሩ ኣብ መንጎ ተኻረይትን ኣካረይትን ዝበኣሰ ምፍሕፋሕ ከየስዕብ ተሰጊኡ ምጽንሑን ኣቐዲሙ ተሓቢሩ’ዩ።

መብዛሕትኡ ‘ቲ ኣብ ከተማታት ዝነብር ህዝቢ፣ ብውሕዱ ክልተ ዕጽፊ ካብ ኣታዊታቱ ንኽራይ ገዛ ከምዝኸፍሎ ይፍለጥ።

በዚ ሓድሽ ኣዋጅ 600 ናቕፋ ተገሚታ ዘላ መንበሪ ቤት፣ ብገምጋም ክሳብ 3 ሽሕ ናቕፋ’ያ ትካረ ዘላ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0