ማዕከናት ዜና ፈረንሳ፣ ሕጂ’ውን ኣብ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ተወሳኺ ዘተ የካይዳ

ማዕከናት ዜና ፈረንሳ፣ ሕጂ’ውን ኣብ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ተወሳኺ ዘተ የካይዳ

Radio Erena: 20 October, 2014

Public Senat

ብባይቶ ፈረንሳ እትውነን Public Senat ዝተባህለት መደበር ተሌቪዥን እታ ሃገር፣ ብቀዳም ምሸት ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝምልከት ናይ ኣስታት ሓደ ሰዓት ዘተ ኣካይዳ።

እታ መደበር ቴሌቪዝን፣ ባርባራዊ ጉዕዞ ዘርእስታ ደኩመንታሪ ድሕሪ ምቕራባ፣ ነታ ፊልም ንዘዳለዋ ክልተ ፈረንሳውያን ጋዜጠኛታት፣ ወኪል ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣብ ፈረንሳን ሓንቲ ክኢላ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ብምዕዳም፣ ጠንቒ ኤርትራውያን ናብ ስደት እንታይ’ዩ ኣብ ዝብል ነጥቢ ተዛትዮም።

ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኤውሮጳን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕር፣ ሰሃራን ሲናይን ንዘጋጥሞም ዘሎ ኩነታትን ሓደ ካብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለም ኮይኑ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ።

 

ብፍላይ ኣብ ፈረንሳ፣ ድሕሪ’ቲ ዓሚ ኣብ ላምፔዱሳ ዘጋጠመ ሓደጋን ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ወደባዊት ካሌ ዝተኣኻከቡ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ዘጋጠም 51 ሰባት ዘቑሰለ ግጭትን፣ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ብቀጻሊ ዝዝረበሉ ጉዳይ’ዩ።

ህዝቢ ፈረንሳ፣ ብዛዕባ ኩነታት ኣፍልጦ እኳ እንተዘይነበሮ፣ ካብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ግና ኤርትራ ብምልካዊ መንግስቲ እትመሓደር ሃገር ምዃናን ዜጋታት ከኣ ካብ ግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርናን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ዝሃደሙ ሓተቲ ዑቕባ ምዃኖምን ክርዳእ ክኢሉ ኣሎ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0