መንገዲ ኣየር ኤርትራ ብናይ ክራይ ነፈርቲ ጥራይ ኣገልግሎት ክህብ ኣኽሳሪ ምዃኑ ተሓቢሩ

መንገዲ ኣየር ኤርትራ ብናይ ክራይ ነፈርቲ ጥራይ ኣገልግሎት ክህብ ኣኽሳሪ ምዃኑ ተሓቢሩ

Radio Erena: 20 October, 2014

Eritrean airlines

መንገዲ ኣየር ኤርትራ ብኽራይ ነፈርቲ ጥራይ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ከካይድ ኣኽሳሪ ምዃኑ ኣካያዲ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ነበረ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ ገሊጹ።

ኣቶ ክብሮም ዳፍላ፣ ንተሞክሮ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ዝርዝራዊ ሓበሬታ፣ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ኣብ 2002 ንግስቲ ንህቢ ብዝተባህለት ሓንቲ ነፋሪት በረራታቱ ከምዝጀመረን፣ እታ ነፋሪት ነዊሕ ከይጸንሐት ብሰንኪ ቴክኒካዊ ጸገም ንጽገና ናብ እስርራኤል እኳ እንተተላእከት፣ ዘጋጠማ ጸገም ካብ በረራታት ዝእግድ ብብምዃኑ ብኡ ጌራ ከምዘቛረጸትን ኣዘኻኺሩ።

 

መንገዲ ኣየር ኤርትራ ብኽራይ ነፈርቲ ኣገልግሎት ክህብ ድሕሪ ምጅማሩ’ውን፣ እቲ መስርሕ ኣዝዩ ኣኽሳሪ ብምዃኑ ተደጋጋሚ እዋን ደው ክብል ከምዝተገደደ ኣረዲኡ።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓንቲ ካብ ኢስት ኣየር ዝተባህለ ናይ ታጃኪስታን መንገዲ ኣየር ብክራይ ዘምጽኣ ቦይንግ 737 ከምኡ ድማ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንይት ያን ኣየር ካብ ዝተባህለ መንገዲ ኣየር ዩክሬን ዝተኻረያ ኣየር ባስ 320 ዝዓይነተን ክልተ ነፈርቲ ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0