ብመንጎኝነት ቀጠር ዝተኸተመ ሓፈሻዊ ስምምዕ ኤርትራን ጅቡትን ምዕባለታት ከምዘየርኣየ ተገሊጹ

ብመንጎኝነት ቀጠር ዝተኸተመ ሓፈሻዊ ስምምዕ ኤርትራን ጅቡትን ምዕባለታት ከምዘየርኣየ ተገሊጹ

Radio Erena: 20 October, 2014

Er POWS

ኤርትራን ጅቡትን ብመንጎኝነት ቀጠር ኣብ 6 ሰነ 2010 ዝኸተምኦ ሓፈሻዊ ስምምዕ፣ ምዕባለታት ከርኢ ከምዘይክኣለ፣ ንምንጭታት ሰበስልጣን ቀጠርን ጅቡትን ብምጥቃስ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ጅቡቲ፣ ካብ 10 ክሳብ 13 ሰነ, 2008 ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ኣብ ኤርትራ ተማሪኾም ዝበለቶም ብውሕዱ 17 ወትሃደራታ ደሃይ ከምዘይብላ’ውን እቲ ተቆጻጻሪ ጉጅለ ኣመልኪቱ።

እዚ ኸኣ፣ ነቲ 4 ዓመቱ ኣሕሊፉ ዘሎ ሓፈሻዊ ስምምዕ ክልቲኤን ሃገራት ኣሰናኺልዎ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

 

ሓደ ካብ ነጥብታት ናይቲ ሓፈሻዊ ስምምዕ፣ ኣብ ዓንቐጽ 3 ዝርርከብ ኮይኑ፣ ኤርትራን ጅቡትን ኣብቲ ብሰነ 2008 ዝተኻየደ ኵናት ናይ ዝተማረኹ ወትሃደራት ክለዋወጡ ዝብል’ዩ።

እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ምህላዎም ይኹን ሃለዋቶም ካብ ምሕባር ብምሕንጋዱ፣ እቲ መስርሕ ሓፈሻዊ ስምምዕ ተሰናኺሉ ይርከብ።

ጅቡቲ፣ ኣብ ከባቢታት ራስ ዱሜራ ኣብቲ ኵናት ዝማረኸቶም 19 ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ከምዘለዉን ብወግዒ እኳ እንተጠቐሰት፣ ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ዘለዉ ምርዃታ ክሳብ እትርከቦም፣ ነዞም ኤርትራውያን ከምዘይትለቖም ብምጥቃስ ብ ቤት ማእሰርቲ ነገድ ሒዛቶም ትርከብ።

ሓደ ካብቶም ምሩዃት ኵናት ብሰንኪ ዝነበሮ መውጋእቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነገድ ክመውት እንከሎ፣ እቶም 19 ምሩዃት ኵናት ከኣ ሰኣን ግቡእ ሕክምናን ጽሬትን ግዳያት ከም ዓባይ ሰዓል ዝኣመሰለ ሕማማት ኮይኖም ይሳቀዩ ከምዘለዉ ብተደጋጋሚ እዋን ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ጅቡቲ ብዘይካ’ዚ ዑቕባ ንምሕታት ኢዶም ንዝሃቦ 267 ኤርትራውያን መንእሰያት ምስቶም ምሩዃት ቀይዳቶም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘረከበቶም ኣይርሳዕን።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0