ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ዝሃድኣሉ ወቕቲ፣ ዋሕዚ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ኤውሮጳ ክዛይድ ምጅማሩተሓቢሩ

Radio Erena: 25 April 2022

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፣ ማዕበል ኣብ ዝሃድኣሉ ወቕቲ፣ ዋሕዚ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ኤውሮጳ ክዛይድ ምጅማሩ ተገሊጹ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ መዓልታት፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ካብ ዝተበገሳ ጀላቡ፣ 171 ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከምዘድሓነ፣ SOS Méditerranée ገሊጹ።

እቲ OceanViking ዝተባህለት መርከብ ብምውፋር፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣብ ምድሓን ዝነጥፍ ኣህጉራዊ ትካል፣ ብሰኑይ 24 ሚያዝያ፣ ብትዊተር ብዝመሓላለፎ መልእኽቲ መሰረት፣ 17 ካብቶም ካብ ምጥሓል ዘድሓኖም ሰባት፣ ብዘይኣላዩ ዝፈለሱ ቆልዑ’ዮም።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ዕለታት፣ 120 ሰባት ጽዒነን ካብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ዝተበገሳ ብውሕዱ ኣርባዕተ ጀላቡ፣ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ስለዘንጸላለወን፣ ብሓለዋ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር 98 ሰባት ክድሕኑ እንከለዉ፣ 17 ድማ ከምዝሞቱ ተሓቢሩ’ዩ።

ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ዝሃድኣሉ ወቕቲ፣ ዋሕዚ ስደተኛታትትን ሓተቲ ዑቕባን ብዝተዓጻጸፈ ስለዝዛይድ፣ ሰለስተ ኣህጉራውያን ትካላት ግብረ ሰናይ፣ ነናተን ዓበይቲ መራኽብ ብምውፋር፣ ህይወት ሰባት ኣብ ምድሓን ይነጥፋ ከምዘለዋ መርበብ ሓበሬታ ኢንፎ ማይግራንት ገሊጹ።

እተን ብSOS Méditerranée እትውነን OceanViking, ብ MSF ወይ ሓካይም ብዘይዶብ እትውነን Geo Barents, ከምኡ ድማ ብSea-Eye 4 ዝተባህለ ትካል እትውነን፣ ብሓፈሻ ሰለስተ መራኽብ፣ ካብ ገማግም ሰሜን ኣፍሪቃ ተበጊሶም ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ናይ ዝሕልኑ ህይወት ኣሽሓት ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ከድሕና ተኽእሎ ኣሎ።

እንተኾነ፣ ኣብ ኤውሮጳ ምስ ዋሕዚ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ተተሓሒዙ ዝንህር ዘሎ ፖለቲካ፣ እዘን መራኽብ ዝጽግዓሉ ወደብ ንምርካብ ክጽገማ ምዃነን ይግመት።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሓይልታት ሊብያ፣ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ዝሓለኑ’ዮም ንዝበልዎም፣ ልዕሊ 500 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ከምዝኣሰርዎም ይግለጽ ኣሎ።

እቶም ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን፣ ኣብ ከተማ ሚስራታ ኣብ ዝርከብ መዝርዓታት ተታሑዞም ዝጸንሑ ኮይኖም፣ ብሰንበት 24 ሚያዝያ ብሓይልታት ጸጥታ ድሕሪ ምትሓዞም፣ ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ናብ ዝርከብ፣ ጣሪቕ ኣል ማጣር ዝተባህለ መዳጎኒ ማእከል ከምዝተሰጋገሩ ንዳይረክተር እቲ ማእከል፣ ዓብዱሰላም ዓለዋን ብምጥቃስ መርበባት ዜና ኣቃሊሐን።

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0