ዳርፉር፣ ኣብ ዝተወልዐ ቀቢላዊ ግጭት 168 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 26 April 2022

ኣብ ሱዳን፣ ዞባ ዳርፉር ኣብ ዝተጓሃሃረ ቀቢላዊ ግጭት፣ ልዕሊ 168 ሰባት ከምዝተቐትሉን ኣስታት 100 ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉን ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እቲ ኣብ ምዕራብ ዳርፉር፣ ዞባ ክሪንክ ዝተወልዕ ጎነጽ፣ ብ22 ሚያዝያ ከምዝተበጋገሰ ዝሓበሩ ትካላት ግብረሰናይ ካብቲ ከባቢ፣ ድሕሩ ንክልተ መዓልታት ናብ ዝቐጸለ ምሉእ ግጭት ዓድታት ከምዝዓረገ ኣረዲኦም።

ናይ ኣዕራብ መበቆል ዘለዎም ዕጡቓት ሚሊሻ፣ ናይ ዝተቐትሉ ክልተ ኣባላቶም ሕነ ንምፍዳይ፣ ብማሳሊት ዝፍለጡ ጸለምቲ ደቀባት ንዝነብሩዋ ንእሽቶ ቁሸት፣ ከምዘጥቅዑዋ እቶም ትካላት ገሊጾም።

ብፍላይ ኣብ ቀዳመ -ሰንበት፣ ናይ 10ታት ሰባት ሬሳ ኣብ ጎደናታት ተደርብዩ ከምዝረኣዩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣመልኪቶም።

ኣብቲ ዞባ፣ ካብ 2003 ኣትሒዙ ኣብ ዝተወልዐ ቀቢላዊ ግጭት፣ ብጃንጃዊድ ዝፍለጡ ዕጡቓት ሚሊሻ፣ ጸለምቲ ደቂባት ንዝነብሩወን ቁሸታት ብምንዳድ፣ 10ታት ኣሽሓት ሰባት ከምዝቐተሉን ሚልዮናት ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ከምዘመዛበሉን ይግለጽ።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0