ማሕበር ስነጥበባውያን ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ቆይሙ

Radio Erena: 23 February 2020

ካብ መላእ ዓለም ዝተኣከቡ ኤርትራውያን ስነጥበባውያን ማሕበር ንምቛም ኣብ ስዊዘርላንድ ዋዕላ ኣካዪዶም።

ኣብዚ ብዓይነቱ ንመጀመሪያ ዝኾነ መስራቲ ኣኼባ ስነጥበባውያን፣ ካብ ዝተፈላለዩ ዕድመን ጾታን፣ ከምኡ’ውን ገዳይምን ሓደስትን ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ዝተሳተፉዎ ኮይኑ፣ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ተገሊጹ።

ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስነጥበባውያን ቁጽሮም ውሑድ እኳ እንተዘይኮነ፣ በብውልቆም እዮም ክነጥፉ ጸኒሖም። ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ኣደራዕ መኸተምታ ክግበረሉን፣ ራህዋን ቅሳነትን ክሰፍንን ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ሓቢሩ ክቃለስ መሪሕ ተራ ክጻወቱን ግና ብማሕበር ክጥርነፉ ኣድላዪ ከምዝኾነ ተሳተፍቲ ይገልጹ።

ወደብቲ ናይቲ ማሕበር ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፣ ምምስራት ማሕበር ስነጥበባውያን ካብ ዝሕሰብ ክሳብ ኣብ መፈጸምታ ዝበጽሕ ከቢድ ማሕለኻታት ከምዝሰገረ ድሕሪ ምጥቃስ፣ እቶም ስነጥበባውያን ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢሎም ምህላዎም ሓደ ካብቲ ጸገማት ምዃኑ ኣብሪሆም።

ኣብቲ ብውዕዉዕ መንፈስ ዝተኻየደ መስራቲ ኣኼባ፣ ቅዋም ማሕበር ንምንዳፍ ሰፊሕ ዘተን ክትዕን ተኻዪዱ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ሸውዓተ ዝኣባላታ ፈጻሚት ሽማግለ ተመሪጻ።

ንሕግታትን መምርሒታትን ማሕበር ብዝምልከት ኣብ መንጎ ኣባላት ዝነበረ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ፣ ደሞክራስያዊን ግልጽነትን ብዝዓሰሎ ኣገባብ ክትዓት ብምክያድ፣ ተጋባእቲ ‘ኣብ ፍልልያትና ዘሎ ረብሓ፣ ዝያዳ ፍቕርን ምትሕልላይን ዝፈጥረልና መድረኽ ኮይኑልና’ ብምባል ብሕጂ’ውን በብእዋኑ እንዳተራኸቡ ራእይ ማሕበርን ህዝቢ ካብኦም ዝጽበዮን ንምምላእ ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑ ቃል ኣትዮም።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ፣ ናይ ክብሪ ዕዱማት ገዳይም ስነጥበባውያንን መማህራንን ኣብራር ዑስማን፣ ተወልደ ረዳን ንጉሰ ሃይለን ኣብ ዝሃብዎ ተመሳሳሊ መልእኽቲ፣ ማሕበር ስነጥበባውያን ምምስራቱ ብልቢ ከምዘሐጎሶም ድሕሪ ምግላጽ፣ ተመኩሮኦምን ኣባታዊ ምኽሮምን ንምልጋስ ወትሩ ድሉዋት ከምዘለዉ ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝተኻየደ መስራቲ ማሕበር፣ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብዝቕመጡ ኤርትራውያን ስነጥበባውያን ዝተዳለዋ ክልተ ሓጸርቲ ድራማታት ክቐርባ እንከለዋ፣ ሓያሎ ግጥምታት እውን ብተሳተፍቲ ቀሪቦም።

ኣብቲ ብዕለት 21 ለካቲት ዝወዓለ ጉባኤ፣ ስሙ ማሕበር ስነጥበባውያን ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ተባሂሉ ክፍለጥ ተሳተፍቲ ብወግዒ ኣጽዲቖም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0