ደቡብ ሱዳን፣ መራሒ ተቓዋሚ ሪክ ማቻር ምኽትል ፕረዚደንት ኮይኑ

Radio Erena: 23 February 2020

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲት፣ ንመራሒ ተቓዋሚ ሓይሊ ሪክ ማቻር ናይ ምኽትል ፕረዚደንት መዓርግ ከምዝሃቦ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ሳልቫ ኪር ብዓርቢ 21 ለካቲት ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ፣ ንሰላም ዘለዎ ቅሩብነት ንምርኣይን፣ ቀዳማይ ደረጃ ናይቲ ዝምስረት ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ንምጅማርን፣ ንተቓዋሚኡ ናይ ቀዳማይ ምኽትል ፕረዚደንት መዓርግ ከምዝሃበ ሓቢሩ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ረቤካ ንያንደንግ እውን ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ናይ መጀመሪያ ጓለንስተይቲ ምኽትል ፕረዚደንት ከምዝተሸመት ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር፣ ናይ ጸጥታ ሓላፊ ከምኡ’ውን ሓላፊ ፕረዚደንታዊ ጉዳያት ዝነበሩ ሰበስልጣናት ዝርከብዎም፣ ካብ መዝነቶም ብምፍናው ሓደስቲ ለውጥታት የተኣታትው ኣሎ።

ዘተ ሰላም ደቡብ ሱዳን ኣብ መዕረፊኡ ክበጽሕን ንኩሎም ወገናት ዘሳተፈ ሓድሽ መንግስቲ ንኽቐውምን ዝተዋህቦ ናይ ግዜ ገደብ ብምድንጓዩ፣ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ብሃገራት ምዕራብ ክኽሰስ እዩ ጸኒሑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0