ማሕበር ሃገራት ዓረብ ዓመታዊ ኣኼባኡ የካይድ

Radio Erena: 29 March 2017

Arab league

22 ኣባላት ዝሓቖፈ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ዓመታዊ ዋዕልኡ ኣብ ዮርዳኖስ፣ ከተማ ዓማን የካይድ ኣሎ።

መራሕቲ ኣባላት ማሕበር ሃገራት ዓረብ ኣብቲ ብ29መጋቢት ዘካይድዎ ዓመታዊ ዋዕላ፣ ነቲ ዞባ ብከቢድ ጸልዩ ኣብ ዘሎ ጉዳያት የመን፣ ሶርያ፣ ሊብያን ፍልስጤምን’ዩ ክዝቲ።

ብፍላይ ኣብ ሶርያን የመንን፣ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብኦም 10ታት ኣሽሓት ሰባት ተቐዚፎም፣ ሚልዮናት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም፣ ግዳያት ጥሜትን ሕማማትን ኣብ ዝኾንሉ ዘለው እዋን፣ መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ዝተፈላለየ መርገጺታት ብምሓዞም፣ እቲ ዋዕላ ብዘይ ዝኾነ ፍረ ክዛዘም ምዃኑ’ዩ ተገሚቱ።

ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ኣብዚ ዋዕላ’ዚ ከምዘይሳተፉ ብኣግኡ ብምግላጽ ኣብ ክንድኦም ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢን ወከልቶምን ንኽሳተፉ’ዮም ልኢኾም።

ወከልቲ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ብሪጣንያን ኣመሪካን ኣብቲ ኣብ ዮርዳኖስ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ብደረጃ ተዓዛብነት ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣብ 1945 ኣብ ግብጺ፣ ከተማ ካይሮ ዝተመስረተ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ኣብ ዞባዊ ጉዳይ ተሰማሚዑን ንዝተፈጥረ ዞባዊ ግጭታት ከኣ ፈቲሑን ከምዘይፈልጥ መዛግብቲ ታሪኽ የመልክቱ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0