ኤርትራ ዋሕዲ ሞያውያን መማህራን ንምትካእ፣ ካብ ሳዋ ኣማኢት ተዓላሞ ንምስልጣን ትዳሎ

Radio Erena: 28 March 2017

sawa

ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ዋሕዲ ሞያውያን መማህራን ንምትካእ፣ ካብ ሳዋ ኣማኢት ተዓላሞ ንምስልጣን ምድላዋት ይካየድ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ሚኒስተሪ ትምህርቲ ኤርትራ፣ ካብዞም ኣብ ናይዚ ዓመት እዚ ኣብ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ዝተኻፈሉ ተማሃሮ፣ ማእከላይ ነጥቢ ዘምጽኡ ብእኩብ ናብ ምምህርና ንምምዳቦም፣ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ናይ ስልጠና ማእከላት ኣዳልዩ ይርከብ።

ህሉው ኩነታት ኤርትራ፣ ከም ኩሉ ጽላታት፣ ንሞያ ምምሃርን ምስትምሃርን’ውን ብኣሉታ ጸልይዎ ስለዝርከብ፣ ዓመታዊ ኣማኢት መማህራን፣ ዶባት እናሰገሩ ናብ ስደት ከምርሑ’ዮም ዝርኣዩ።

 እቲ መንግስቲ ነቲ ኣብ ላዕላዋይ ደረጃ ዝርአ ዋሕዚ መማህራን ንምትካእ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ልምዓት ብዝገብሮ ሓገዝ ካብ ህንዲ፣ ኬንያን ካልኦት ሃገራት ሞያውያን መማህራን ክቖጽር ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ግና፣ ነቶም በብእዋኑ ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለው መማህራን ንምትካእ ኣጸጊሙ ስለዝርከብ፣ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝርከባ ሓያሎ ኣብያተ ትምህርቲ ክሳብ ምዕጻው ዝበጽሕ ምስንኻል ከጋጥመን ይርአ።

መንግስቲ ፊንላንድ፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተዳኸመ ንዝመጽእ ዘሎ ጽላት ትምህርቲ ኤርትራ ንምብርባር፣ ዓመታዊ ክሳብ 3 ሚልዮን ኤውሮ ወጻኢታት እናገበረ ሞያውያን መማህራን ንምስልጣን ፕሮጀክት ሓንጺጹ ይርከብ።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0