ደቡብ ኮርያ ብደረጃ ዓለም እታ ዝቐልጠፈ ናይ ሞባይል ኢንተርነት ኣገልግሎት ዘለዋ ሃገር’ያ ተባሂላ

Radio Erena: 29 March 2017

Mobile

ደቡብ ኮርያ ብደረጃ ዓለም እታ ዝቐልጠፈ ናይ ሞባይል ኢንተርነት ኣገልግሎት ዘለዋ ሃገር ምዃና መጽናዕታት ኣረጋጊጾም።

ኦፐን ሲግናል ዝተባህለ ትካል ብዘዋደዶ መጽናዕቲ፣ እታ ሃገር ነዚ ዝሓለፈ ዓመታት ብፍጡን ኣገልግሎት ኢንተርነት ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ከምዝጸንሐት ብምዝኽኻር፣ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት ከኣ ብሞባይል ቴሌፎን ንዝወሃብ ኣገልግሎት ኢንተርነት መወዳድርቲ ኣይተረኽባን።

ኣብታ ሃገር ነፍሲ ወከፍ ብሞባልይ ኢንተርነት ዝጥቀም ሰብ፣ ኣብ ሰከንድ 37.54 ሜጋ ባይት ይበጽሕ።

ንደቡብ ኮርያ ስዒባ ዝቐልጠፈ ናይ ሞባይል ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘለዋ ሃገር ብ34.77 ሜጋ ባይት ኣብ ሰከንድ ኖርወይ’ያ።

ሃንጋሪ፣ ብ31.04 ሜጋ ባይት ቅልጣፈ ኣገልግሎት ኢንተርነት ሳልሳይ ደረጃ ክትሕዝ እንከላ፣ ሲንጋፖርን ኣውስትራልያን ከኣ ራብዓይን ሓሙሻይን ደረጃ ሒዘን።

ካብ ኩሉ ምዕባለታት ድሕሪት ተሪፈን ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብሞባይል ኣብ ዝወሃብ ኣገልግሎት ኢንተርነት ምስ ቀዳሞት 40’ውን የለዋን።

ብመሰረት መጽናዕቲ ኦፐን ሲግናል፣ እታ ኣብ ኣፍሪቃ ብናይ ሞባይል ኢንተርነት ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ እትርከብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ብ9.93 ሜጋ ባይት ኣብ ሰከንድ ቅልጣፈ ብደረጃ ዓለም ኣብ መበል 48’ያ ተሰሪዓ።

ኤርትራ፣ ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ ኣገልግሎት ሞባይል ኢንተርነት ካብ ዘየተኣታተዋ ሒደት ሃገራት ዓለም ስለዝኾነት ኣብዚ መጽናዕቲ ኣብ ግምት ኣይኣተወትን።

ይኹን’ምበር፣ ሒደት ወነንቲ ሞባይል፣ ሳሕቲ ካብ ኢንተርነት ካፈታት ብ’ዊፊ’ ኢንተርነት ክጥቀሙ’ውን ይርኣዩ’ዮም።

ኣብ ከም በዓል ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ድማ ኣይኮነን ዶ ብሞባይል ብኮምፒተር’ውን ቅልጡፍ ኣገልግሎት ኢንተርነት ንምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ፣ ብሞባይል ኣገልግሎት ኢንተርነት ንምርካብ ሲ ይትረፍ፣ እቲ መባእታዊ ኣገልግሎት ሞባይል ዝኾነ ጻውዒት ምቕባልን ምድዋልን’ውን ዝሕቱል’ዩ።

=======================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0