ማሕበረሰብ ዓለም፣ ኤርትራ ንእትርከበ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ 8 ቢልዮን ዶላር ልምዓታዊ ሓገዝ ተመባጺዑ

ማሕበረሰብ ዓለም፣ ኤርትራ ንእትርከበ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ 8 ቢልዮን ዶላር ልምዓታዊ ሓገዝ ተመባጺዑ

Radio Erena: 28 October, 2014

UN 8

ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ፣ ኤርትራ ንእትርከበን ሸሞንተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ሸሞንተ ቢልዮን ልምዓታዊ ሓገዝ ንምብራክት ተመባጺዑ።

እተን ኣብ ልምዓታዊ ሓገዝ ዝውዕል ሸሞንተ ቢልዮን ዶላር ንምልጋስ ዝተመባጽዓ ኣካላት ኣህጉራዊ ማሕበር ሰብ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ ባንክ ዓለም፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ እስላማዊ ባንክ ልምዓትን’የን።

እቲ ናብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዓለም ሓገዝ ኣብ ምዕባይ ቁጠባ፣ ምቕናስ ድኽነት፣ ምውጋድ ግጭታትን ደርቅን ክውዕል ምዃኑ’ውን ነዚ መብጽዓ’ዚ ብወግዒ ዝገለጸ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባንኪ ሙን ጠቒሱ።

 

እተን ናይዚ ልምዓታዊ ሓገዝ ተጠቐምቲ ዝኾና ሃገራት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሶማልያ፣ ኬንያን ኡጋንዳን’የን።

ብፍላይ ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን እተን ቀንዲ ተረባሕቲ ናይዚ ብኣህጉራዊ ማሕበርሰብ ክልገስ ተመባጺዑ ዘሎ ሸሞንተ ቢልዮን ዶላር ምዃነን’ዩ ዝንገር።

ገለ ክፋል ናይቲ ዝልገስ ሓገዝ ኣብ ምዝርጋሕ ሻምብቖታት ነዳዲ፣ ምምሕያስ መጓዓዝያ፣ ምስፋሕ ኣገልግሎት ኢንተርነት ከምዘጠቓልል’ውን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የረድእ።

===================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0