ኣመሪካ፣ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዘንበረቶ እገዳ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ኣናዊሓቶ

ኣመሪካ፣ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዘንበረቶ እገዳ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ኣናዊሓቶ

Radio Erena: 28 October, 2014

Su Sa

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዘንበረቶ እገዳ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ወሲና።

እቲ ምምሕዳር ቢል ክሊንተን ኣብ 1997 ከምኡ ድማ ምምሕዳር ጆርጅ ቡሽ ኣብ 2007 እናተቐባበሉ ዘንጽሕዎ እገዳታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን፣ ምምሕዳር ኦባማ ስልጣኑ ክሳብ ዘብቕዕ ከናውሖ ምውሳኑ፣ ንመንግስቲ ሱዳን ከምዘቖጥዖ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣመሪካ ዋይት ሃውስ፣ ብዓርቢ 24 ጥቕምቲ ንእገዳ ሱዳን ዝምለከት ሓፈሻዊ ገምጋም ድሕሪ ምክያድ’ዩ፣ ሱዳን ሕጂ’ውን ንጸጥታ ኣመሪካን ረብሓታትን ኣስጋኢት’ያ ብዝብል እቲ እገዳ ክናዋሕ ዝወሰነ።

 

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዓሊ ኻርቲ፣ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እዚ ብምምሕዳር ኦባማ ክናዋሕ ዝተወሰነ እገዳ፣ ፖለቲካዊ ምፍሕፋሕ ንምፍጣር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ድርብ መለክዒታት ዝተሓንገጠ’ዩ ክብል ኮኒንዎ።

ሱዳን ብሰንኪ እዚ ኣመሪካ ዘንበረቶ 14 ዓመታት ኣቝጺሩ ዘሎ እገዳ፣ ኣብ ቁጠባ ብፍላይ ኣብ መንገዲ ኣየር እታ ሃገር ከቢድ ሃስያ ከምዘስዓበ መንግስቲ እታ ሃገር ብወግዒ ዝኣምነሉ ጉዳይ’ዩ።

ኣመሪካ ፈለማ ብሰንኪ’ቲ ሱዳን ምስ ኣሸበርቲ ጉጅለታት ምትእስሳር ኣለዋ ዝብል ክሲ ድሒሩ ከኣ ኣብ ዳርፉር ተፈጺሙ ብዝተባህለ ምጽናት ዓሌት፣ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር እገዳ ከምዘጽንዐት ዝዝከር’ዩ።

መንግስቲ ሱዳን እቲ ዝቐረበሉ ክስታት ተጻርዩ እገዳ ክልዓለሉ ምስ መንግስቲ ኣመሪካ ንምዝርራብ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብመንገዲ ኣራኸብቲ ሎቢ ጀሚሩ እኳ እንተነበረ፣ በንጻሩ ምምሕዳር ኦባማ እቲ እገዳ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ወሲኑ ኣሎ።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0