ኣብ ደቡብ ሱዳን ከባቢ ጁባ ኣብ ዝተወልዐ ግጭት 60 ሰባት ቆሲሎም

ኣብ ደቡብ ሱዳን ከባቢ ጁባ ኣብ ዝተወልዐ ግጭት 60 ሰባት ቆሲሎም

Radio Erena: 29 October, 2014

South su

ኣብ ደቡብ ሱዳን ካብ ከተማ ጁባ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ብዝተኻየደ ግጭት ብውሕዱ 60 ሰባት ከምዝቖሰሉ ኣፈኛ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ጁባ ሓቢሩ።

ኣብቲ ብሰንበት 26 ጥቕምቲ ዝተኻየደ ግጭት፣ ኣርባዕተ ሰባት ብከቢድ ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ክዕቆቡ እንከለዉ፣ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት’ውን ፈኵስ መቑሰልቲ ከምዝበጽሖም ተሓቢሩ።

ነቲ ግጭት ብምጉህሃር ዝተጠርጠሩ ክልተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ’ውን እቲ ኣፈኛ ጠቒሱ።

 

ኣብ ካልእ ክፋል እታ ሃገር’ውን ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስትን ተቓወምትን ግጭታት ከምዝተኻየደ ንናይ ዓይኒ መሰኻክር ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ደቡብ ሱዳን ብፈደራላዊ መንግስቲ ክትመሓደር ፕረዚደንት እታ ሃገር ሳልቫኪር ሚያርድት ዘለዎ ደገፍ ምሉእ ብምሉእ ምግላጹ ይዝርከብ ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት ብዘይካ’ዚ ምስቲ ብሬክ ማሻር ዝምራሕ ተቓዋሚ ሓይሊ ስልጣን ንምምቕራሕ ቅሩብ ምዃኑ’ውን ከምዝገለጸ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ የመልክት።

ደቡብ ሱዳን ብጉዳይ ዝተፈላዩ ተቓወምቲ፣ ኣብ ፖለቲካውን ወጥሪ ከምዘላ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝርከቡ ኣባላት ኤምባሲታት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን’ውን ምስ ተቓወምቲ ሓበሬታ ተለዋዊጥኩም ብዝብል ክሲ ከምዝተሳሕቡ ምንጭታት ይጠቕሱ።
=======================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0