መ.ኢትዮጵያ፣ ኣብ ቀይዲ ንዝጸንሑ ዕጡቓት ተቓወምቲ ናጻ ሰዲዱ

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ቀይዲ ንዝጸንሑ 74 መራሕትን ኣባላትን ዕጡቕ ተቓዋሚ ጉጅለ ቤንሻንጉል ናጻ ከምዝለቐቖም ተገሊጹ።

    እቲ ብህዝባዊ ምንቕስቓስ ሓርነት ቤንሻንጉል ዝፍለጥ ዕጡቕ ተቓዋሚ ጉጅለ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስምምዕ ሰላምን ዕርቕን ከምዝኸተመ ዝጠቐሱ ምንጭታት ካብ ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ ድማ ነቶም በብግዚኡ ዝሓዞም መራሕትን ኣባላትን እቲ ጉጅለ ናጻ ክለቆም ከምዝወሰነ ኣፍሊጦም።

    እቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብቲ ምስ ሱዳን ዘዳውብ ከባቢታት ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ተቓዋሚ ጉጅለ ቤንሻንጉል፣ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝኸተሞ ስምምዕ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ዕጡቑ ኣውሪዱ ከም ወግዓዊ ፖለቲካዊ ሰልፊ ተወዲቡ ይንቐሳቐስ ኣሎ።

    ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ቤንሻንጉል፣ ን17 ዓመታት ብረት ዓጢቑ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየድዎ ዝነበረ ቃልሲ፣ ኣብቲ ምስ ሱዳን ዘዳውብ ከባቢታት ኢትዮጵያ ሓያሎ መጥቃዕታት ከምዘካየደ ይፍለጥ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ሞራላዊ ፖለቲካዊ ደገፍ ይርከብ ኣሎ ክብል ክወቅስ ጸኒሑ’ዩ።

    እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ኦጋዴን ክንቐሳቐሱ ምስ ዝጸንሑ ክልተ ዕጡቓት ጉጅለታት ክልል ሶማል ተመሳሳሊ ስምምዕ ከምዝኸተመ ኣይርሳዕን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0