‘መ. ሶማል ደቅና ናብ ኢትዮጵያ የእትዩዎም’፣ ኣዴታት ሶማል

Radio Erena: 24 January 2021

መንግስቲ ሶማል ሰራዊቱ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ልኢኹ ተባሂሉ ብዝተፈላለዩ ወገናት ወቐሳ ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን፣ ካብ ህዝቡ’ውን ተቓውሞታት እንዳሓየለ ይመጽእ ከምዘሎ፣ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።
ኣብ ከተማ ሞቓድሾ፣ ደሃይ ደቅና ጠፊኡና ዝብላ ሓያሎ ደቀንስትዮ ዝወደበኦ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዝተኻየደሉ፣ መንግስቲ’ታ ሃገር ጻውዒተን ተቐቢሉ ቅልጡፍ ምላሽ ክህበን ተማሕጺነን።
ኣብቲ ሰልፊ ካብ ዝተሳተፋ ኣዴታት ንኣሶሼትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦኦ ቃል፣ ደቀን ኣብ ሰራዊት ድሕሪ ምኽታቦም ንታዕሊም ናብ ኤርትራ ከምዝተወስዱ ድሕሪ ምግላጽ፣ ታዕሊሞም ምስ ወድኡ ግና ከምዘይተመልሱወን ሓቢረን።
እተን ኣዴታት፣ ደቀን ኣብ ኤርትራ እንከለዉ ደሃይ ከምዝነበረን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ ግና ደቀን ደሃይ ከምዘጥፍኡ ይገልጻ። ኣጣዪቐን ዝረኸቦኦ ሓበሬታ፣ እቶም መንእሰያት ድሕሪ ታዕሊም ብቐጥታ ናብ ከተማ መቐለ ከምዝተወስዱ ዝእንፍት ምዃኑ ሓቢረን።
ኣቐድም ኣቢሉ፣ ምኽትል ዳይረክተር ስለያ ዝነበረ እስማዒል ዳሂር ዝርከቦም ሓያሎ ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ እቶም ንወተሃደራዊ ታዕሊም ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ መንእሰያት፣ ታዕሊሞም ካብ ዝውድኡ ነዊሕ ከምዝገበረ ድሕሪ ምጥቃስ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኔሩዎም ክብሉ ጥርጣረታቶም ገሊጾም’ዮም።
ኣቦ ወንበር ባይቶ ወጻኢ ዝምድናታት ሶማል፣ ነዚ ብህዝቢ ዝቐርብ ዘሎ ጥርዓን መልሲ ንኽህበሉ ንፕረዚደንት ዓብዱላሂ መሓመድ ዓብዱላሂ ወግዓዊ ደብዳቤ ልኢኹ’ዩ።
መንግስታት ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ንተሳታፍነት ወተሃደራት ሶማል ኣብ ኵናት ኢትዮጵያ ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂቦምሉ እዮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0