ኢትዮጵያ ምስ ወደብ ዓሰብ ዘራኽባ መስመር ጽርጊያ ምህናጽ ጀሚራ

Radio Erena: 24 January 2021

ኢትዮጵያ ምስ ወደብ ዓሰብ ዘራኽባ መስመር ጽርጊያ ምህናጽ ከምዝጀመረት ኣፍሊጣ።
ኣመሓዳሪ ክልል ዓፋር ናይ ኢትዮጵያ ዝተረኽበሉ እቲ ወግዓዊ ስነስርዓት ምምራቕ፣ ሚኒስተር ትራንስፖርት እታ ሃገር እምነ-መሰረት ኣንቢራ።
ድሕሪ 1998 ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምጅማሩ፣ ንወደብ ጂቡቲ ክትጥቀም ዝጸንሐት ኢትዮጵያ ምኽፋት’ዚ መስመር ሰፊሕ ዕድላት ሰደድን እታውን ክፈጥረላ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።
ምህናጽ’ቲ መስመር ጽርጊያ፣ ‘ሻንዶንግ ሊኲኖ ግሩፕ’ ዝተባህለ ቻይናዊ ትካል ከካዪዶ ምዃኑ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ይገልጹ።
ብወገን ኤርትራ ካብ ወደብ ዓሰብ ክሳብ ዶብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ከባቢታት ቡሬ፣ 71 ኪሎሜተር መስመር ጽርጊያ ኣቐዲሙ ከምዝተዛዘመ እዩ ዝግለጽ።
እዚ ብወገን ኢትዮጵያ ክህነጽ ጀሚሩ ዘሎ መስመር ልዕሊ 2 ቢልዮን ብር ባጀት ተሰሊዑሉ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0