ኣብ ዩጋንዳ ንዝተፈጸመ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብናጻ ኣካል ክጻረ ጻውዒታት ይቐርብ

Radio Erena: 24 January 2021

ኣብ ዩጋንዳ ኣብ እዋን ፕረዚደንታዊ ምርጫን ድሕሪኡን ንዝተፈጸመ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብናጻ ኣካል ክጻረ ጻውዒታት ይቐርብ ኣሎ።
ሓያሎ ኣህጉራውያን ትካላትን መንግስታትን፣ ነቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ናጻን ርትዓዊን ኣይነበረን ብምባል ኣብ ዝኹንናሉ ዘለዋ እዋን፣ ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኑ፣ ኣብ እዋን’ቲ ምርጫ ናይ ዝተቐትሉ ሰባት ጉዳይ ምጽራይ ክግበረሉ ጸዊዑ።
መንግስቲ ዩጋንዳ፣ ኣብ እዋን ምርጫ ከም ተዓዘብቲ ክሳተፋ ንዝተመዝገባ ትካላት ብምእጋዱ ክኽሰስ እንከሎ፣ መራኸቢ መስመራት ኢንተርነት ምዕጻዉ፣ ርኡይ ሸፈጥ ከምዘካየደ ዘመልክት እዩ ክብሉ’ዮም ዲፕሎማሰኛታት ዝኸሱ።
ፕረዚደንታዊ ምርጫ ቅድሚ ምክያዱ፣ ኣብ ሓያሎ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባትን ጋዜጠኛታት ግፍዕታት ምውራዱ ከይኣክል፣ ብሰንክኡ ኣብ ዝተላዕለ ግጭት ከኣ ብውሑዱ 40 ሰባት ሙማቶም ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦ ሕብረት ኤውሮጳ ይገልጽ።
ንዮወሪ ሙሰቨኒ ዝበደሀ ሕጹይ ተወዳዳሪ ቦቢ ዋይን፣ ናዕቢ ከየለዓዕል ብዝብል ምኽንያት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር እዩ ዝርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0