መ.ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ዝፈተነ ዝበሎ ጽዕነት ጠያይት ኣብ ዶብ ሒዙ

Radio Erena: 08 November 2020

መንግስቲ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ዝፈተነ ዝበሎ ጽዕነት ጠያይት ኣብ ዶብ ከምዝሓዘ፣ ወግዓዊ ልሳን’ቲ መንግስቲ ሱና ኣፍሊጡ።
ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ብቀዳም 7 ሕዳር ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና፣ እቲ ኣብ ገዳርፍ ዝተታሕዘ ጠያይት ክሳብ 95 ሽሕ ዝበጽሕ ኮይኑ፣ ብናይ ኣእዱግ ዓረብያታት ተጻዒኑ ክሰግር እንከሎ’ዩ፣ ብሰራዊት ሱዳን ተታሒዙ።
ኣቐዲሙ እቲ ሓበሬታ በጺሑዎ ከምዝነበረ ዝሓበረ ወተሃደራዊ ስለያ ሱዳን፣ ብኣግኡ ኣብ ዶብ ተዳልዩ ከምዝጸንሐ ይገልጽ።
ሱዳን ምስ ዞባታት ትግራይን ጎንደርን ናይ ኢትዮጵያ ዝዳወብ ክሳብ 265 ኪሎሜተር ዝበጽሕ ዶባታ፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲን ህወሓትን ውግእ ድሕሪ ምጅማሩ ዓጽያቶ እያ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0