ሕ.ኤ. ኣብ መኸተ ለበዳ ኮቪድ 19 ዝውዕል ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ተወሳኺ ባጀት ሰሊዑ

Radio Erena: 08 November 2020

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መኸተ ለበዳ ኮቪድ 19 ዝውዕል ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ተወሳኺ ባጀት ሰሊዑ።
ኮሚሽነር ኣህጉራዊ ዝምድናታት’ቲ ሕብረት ካብ ብራስለስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፣ እዚ ናይ 17.2 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ንሶማል፣ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝልገስ ክኸውን እዩ። ብመሰረት’ታ ኮሚሽነር ዝሃበቶ ቃል፣ ኣብዘን ሃገራት ዝርከቡ ስደተኛታትን ዝተመዛበሉ ዜጋታትን ኣብ ምክልኻል ኮቪድ 19 ዝሕግዝ ናውቲን ረዲኤትን ክውዕል ምዃኑ ተፈሊጡ።
ዝዓበየ ጉኖዖ’ዚ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ነታ ብኮሮና ዝያዳ ተጠቒዓ ዘላ ሱዳን ዝወሃብ 10.2 ሚልዮን ዩሮ ክኸውን እንከሎ፣ ነቲ ለበዳ ንምክልኻል ዝሕግዝ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንሕክምናዊ ኣገልግሎት እታ ሃገር ንምምዕባል እውን ዝሕግዝ እዩ።
ንሶማል ዝወሃብ 5 ሚልዮን ዩሮ ከኣ ንስደተኛታትን ውሽጣዊ ምምዝባል ኣጋጢሙዎም ንዘሎ ሶማላውያን ክውዕል እዩ። ዝተረፈ 2 ሚልዮን ዩሮ፣ መከላኸሊ ለበዳ ኮቪድ 19 ዝኾነ ዝተፈላለየ ናውቲ መግዝኢ ዝውዕል ንደቡብ ሱዳን ዝልገስ እዩ።
ሕብረት ኤውሮጳ ነዚ ዝህቦ ዘሎ ተወሳኺ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ንምትግባር፣ ምስ ኢጋድን ውድብ ጥዕና ዓለምን ብምትሕብባር ኣብ ሶማል፣ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ክሰርሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0