መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት ምዃኑ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 08 November 2020

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ባይቶ’ታ ሃገር ብቀዳም 7 ሕዳር ኣብ ዝወዓሎ ኣኼባ፣ ኣብ ትግራይ ስርዓተ ሕጊ ንምኽባር ሓድሽ ግዚያዊ ዞባዊ መንግስቲ ክምስረት ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ኣፍሊጡ።
እቲ ዝምስረት ግዚያዊ መንግስቲ ብተወሳኺ ባጀት ኣብ ምጽዳቕን፣ መስርሕ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ምስላጥን ክነጥፍ ምዃኑ ተገሊጹ።
ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ፣ እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ግዚኡ ዝሓለፎ ስለዝኾነ ሕጋዊ ኣይኮነን ብምባል፣ ንኩሉ መጥቃዕታት ንምምካት ድሉው ከምዘሎ ይገልጽ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ብወግዓዊ ልሳኑ ኣቢሉ ገሊጹ’ዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር እውን ብተሌቪዥን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ተወሳኺ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ክካየድ ስለዝኽእል ህዝቢ ብእኩብ ከይንቀሳቐስ ኣተሓሳሲቡ። ንሱ ብተወሳኺ፣ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ደው ዝብል፣ እቶም ቀንዲ ኣሳበብትን መራሕቲን’ዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ኣብ ሕጊ ምስ ዝቐርቡ ጥራይ እዩ ክብል ገሊጹ።

ሓያሎ ኣህጉራውያን ውድባትን መንግስታትን ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ሰላማዊ ፍታሕ ክርከቦ ጻውዒት የቕርቡ እኳ እንተለዉ፣ ብክልቲኦም ወገናት ዝስማዕ ዘሎ ኣዋጅ ኲናት፣ ናብ ካልእ ዞባታት’ታ ሃገር ክልሕምን ንህዝቢ ግዳይ ዝገብር ከምዝኸውንን ብኣግኡ መጠንቀቕታታት ይቐርብ ኣሎ።

ብፍላይ ኣገልግሎታት ቴሌፎንን ኢንተርነትን ኣብ ትግራይ ተቛሪጹ ምስ ምህላዉ፣ ሓቀኛ ኩነታት’ቲ ፍጻሜ ንምፍላጡ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ናብ ምሉእ ብረታዊ ጎንጺ ሰጊሩ ዘሎ ቅልውላው ኢትዮጵያ፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ብቐጥታ ዝጸልው ስለዝኾነ፣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ዜጋታት ምትሕብባር ከርእዩ፣ ካብ ተጣበቕቲ መሰላት ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar

    Mihiret yigbrelom

  • comment-avatar
    Merhawi 3 years ago

    Neana zmlket aykonen nbealna habtam zkonet hager gedifna fah elna alena gudayna ngber nbealna zeytefth shgr alena