“መጽሔት መቓልሕ ፎርቶ ኣብ ኣስመራ ብምስጢር ተዘርጊሓ” ኣዳለውቲ ዓርቢ ሓርነት

ብምስጢር ዝተሓትመት መጽሔት ‘መቓልሕ ፎርቶ’ ኣብ ኣስመራ ከምእተዘርግሐት ኣዳለውቲ ዓርቢ ሓርነት ኣፍሊጦም።

 

እታ ንዝኽሪ’ቲ ኣብ 21 ጥሪ ኣብ ፎርቶ ዝቐረብ ጠለብ ምፍታሕ እሱራን ትግባረ ቅዋምን ተባሂላ መቓልሕ ፎርቶ ዝተሰምየት መጽሔት፣ ብምኽንያት እዚ 12 ዓመቱ እንዝክሮ ዘሎና መዓልቲ ምዕፋን ናጻ ፕረስን ኣልማማ ምቕያድ ጋዜጠኛታት’ያ ብውሑድ ዓቐን ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ተዘርጊሓ።

እዛ ኣብ ኣስመራ ብውሕዱ ዓቐን ዝተዘርግሐት መጽሔት፣ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንኽትግበር ዝዓለም መልእኽታት ዝሓቖፈት ኮይና ኣብ ቐጻሊ ድማ ናብ ካልኦት ከተማታት ንምዝርጋሕ መደብ ከምዘሎ ኣወሃሃደታ የመልክቱ።

መንግስቲ ኤርትራ ካብ 18 መስከረም 2001 ኣትሒዙ ዝኾነ ናጻ ሕትመት ብወግዒ ድሕሪ ምእጋዱ ከም ‘ያን እቲ ሰማያዊ ሰብ’ ከምኡ ድማ ‘ሩት እታ ሞኣባዊት’ ዝኣመሰላ ኣብ ህዝቢ ሓያሎ ምንቕቓሕን ጽልዋን ዝፈጠራ ክልተ ዓበይቲ መንፈሳውያን መጻሕፍቲ ብምስጢር ከምእተዘርግሓ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣባላት ጸጥታን ስለያን መንግስቲ ኤርትራ ነተን ኣብ ሕብምርቲ ከተማ ኣስመራ ብምስጢር ተሓቲመን ዝተዘርግሓ መጻሕፍቲ ንዝሓዙ ሓያሎ ውልቀሰባት፣ ካበይ ከምዘምጽእዎን ክሕብሩ ብምግዳድ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉዎም’ውን ዝተረጋገጸ’ዩ።

ብዘይካ’ዘን ክልተ ዓበይቲ መጻሕፍቲ፣ ብርክት ዝበለ መንፈሳውን ፖለቲካውን መልእኽታት ዝሓቖፈ ንእሽቱ ጽሑፋት’ውን በብእዋኑ ክዝርጋሕ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

እዛ ሕጂ ኣብ ኣስመራ ብምስጢር ተሓቲማ ብውሑድ ዓቐን ናብ ህዝቢ ተዘርጊሓ ዘላ መጽሔት ‘መቓልሕ ፎርቶ’ውን ተመሳሳሊ ኩነታት ክትፈጥር ከምእትክእል ይግመት።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0