ኤርትራ ንብልሽውና ዝተቓልዐት ሃገር’ያ ተባሂላ

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ንብልሽውና ተቓሊዐን ዘለዋ ሃገራት ምዃና ተገሊጹ። ጠንቒ ናይዚ ድማ፣ ባጀት ሰሪዑ ዝንቐሳቐስ መንግስትን ንትግባረን ኣሰራርዓን ባጀት ዝከታተልን ዘጽድቕን ባይቶ ወይ ፓርላማ ስለዘይብላ’ዩ።

 

ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን 14 ሃገራት ብስም ምክልኻል ብልሽውና ኣመና ሳዕሪሩ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣብ ኤርትራ ኣዘዝቲ ሰራዊት ብዝተፈላለየ ዓይነታት ብብልሽውና ተቖማጢዖም ከምዘለዉ’ዩ ህዝቢ ዘማርር።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ርእስቲ’ቲ ባጀት ዘጽድቕን ትግባረኡ ዝከታተልን ባይቶ ዘይምህላዉ ንብልሽውና ዝቆጻጸር ናጻ ኮሚሽን’ውን የለን።
=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0