ዝቕባበ ባጤራ ናቕፋ ብ800% ንሂሩ ከምዘሎ ተገሊጹ

ዝቕባበ ባጤራ ናቕፋ ብ800% ንሂሩ ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: January 13, 2014

 

nakfaዝቕባበ ባጤራ ናቕፋ ብ 800% ንሂሩ ምህላዉ ተገሊጹ።

ኣብ 1997 ናቕፋ ክትኣታቶ እንከሎ፣ መጠን ሓደ ዶላር 7 ናቕፋን ዕስራ ሳንቲምን ዝነበረ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ንሓደ ዶላር 61 ናቕፋ በጺሑ ምህላዉ ይፍለጥ።

ኣብ ሕጋዊ ዕዳጋ፣ ኣብ ባንክታትን ብዌስተርን ዩኒዮን ኣብ ዝሕወል ገንዘብን ንሓደ ዶላር 15 ናቕፋ 50 ሳንቲም እኳ እንተሎ፣ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ግና ብኣስታት 800 ሚእታዊት ካብ ሚእቲ ዝዛየደ’ዩ።

ንሓደ ዩሮ ድማ ኣብ ባንክታት 18 ናቕፋ ክሽረፍ እንከሎ፣ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ድማ ክሳብ 72 ናቕፋ በጺሑ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እዚ ካብ ግዜ ናብ ግዚ ዝርአ ዘሎ ናህሪ ምንቑልቛል መጠን ሸርፊ፣ ምውዳቕ ቁጠባ ዝቕባበን ዘመልክት ምዃኑ’ውን ተንተንቲ ቁጠባ የረድኡ።

 

================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0