ኤርትራን የመንን፣ ኣብ ጉዳይ ምግፋፍ ዓሳ ተወሳኺ ዝርርብ ኣካይደን

ኤርትራን የመንን፣ ኣብ ጉዳይ ምግፋፍ ዓሳ ተወሳኺ ዝርርብ ኣካይደን

Radio Erena: January 13, 2014

yemen fishhh

ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ የመን ዓዋድ ኣል ሶኮርቲ ኣብ ሰንዓ ምስ ዝርከብ ዲፕሎማሰኛ መንግስቲ ኤርትራ መሓመድ ሓማድ ተራኺቡ ኣብ ጉዳይ ምግፋፍ ዓሳ ዘተርኮረ ዝርርብ ከምዘካየደ ተገሊጹ።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ሰሉስ 7 ጥሪ ዝተኻየደ ርክብ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን የመንን ኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛታት፣ ኣብቲ የመን ብቐጻሊ እተቕርቦ ዘላ ጉዳይ ባህላውያን ገፍፈቲ ዓሳን ብኤርትራ ዘጋጥሞም ዘሎ ምትሓዝን ብዝምልከት ብዕምቖት ከምዝዘተዩ ተፈሊጡ።

እቲ ሚኒስተር፣ ኤርትራን የመንን፣ ኣብ ጉዳይ ምግፋፍ ዓሳ ብሓባር ከስርሐን ዝክእል ሜላታት ከተኣታትዋ ዝብል ሓሳብ ድሕሪ ምቕራብ ድማ፣ ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ዘለዉ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ክልቐቑ ደጊሙ ጸዊዑ።

 

ኣብ ሰንዓ ካብ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ፣ ኣቶ ሓዳም መሓመድ ብወገኑ፣ ኤርትራን የመንን ታሪኻዊ ምትእስሳር ከምዘለውን ብምጥቃስ፣ ኣብ መዳይ ምግፋፍ ዓሳ ክልትኤን ሃገራት ተሓባቢረን ክሰርሓ ኣተሓሳሲቡ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ የመን ኤርትራ ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምርኻብ፣ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዘተኮረ መልእኽቲ ፕረዚደንት የመን ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ ከምዘብጽሐ ይዝከር።

ኤርትራን የመንን ኣብዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ብደረጃ ሚኒስተራትን ዲፕሎማሰኛታትን ኣብ ጉዳይ ምግፋፍ ዓሳ ተመሳሳሊ ዝርርብ ከካይዳ እዚ ንመበል ሓሙሽያ ግዜኡ’ዩ።
=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0