ኣብ ማልታ ካብ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ዜጋታት ወጻኢ፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ኣብ  ሳልሳይ ይስራዕ

ኣብ ማልታ ካብ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ዜጋታት ወጻኢ፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ኣብ ሳልሳይ ይስራዕ

Radio Erena: January 14, 2014

 

malta workers

ኣብ ማልታ ካብ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ዜጋታት ወጻኢ ሃገራት፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ከምዝስራዕ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ብቐዳማይ ደረጃ ዝስርዑ ዜጋታት ፊሊፒንስ ኮይኖም፣ 750 ደቂንስትዮን 196 ደቂንስትዮ ብድምር 946 ፊሊፒናውያን ኣብ ማልታ ኣብ ስራሕ ተዋፊሮም ይርከቡ።

ኣብ ማልታ ካብ ዘለዉ ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛታት ብብዝሒ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝርከቡ ዜጋታት ሰርቢያ’ዮም። 205 ደቂንስቶን 446 ደቂተባዕትዮን ብድምር 671 ዜጋታት ሰርብያ ኣብ ማልታ ሕጋዊ ናይ ስራሕ ፍቓድ ይውንኑ።

 

ብ 666 ጠቕላል ብዝሒ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝስርዑ ኣብ ማልታ ሕጋዊ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዘለዎም ኤርትራውያን፣ ዳርጋ ብምሉኦም ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱ ስደተኛታት’ዮም።

ብመሰረት ክፍሊ ዕዮ ማልታ ኣቕሪብዎ ዘሎ ጸብጻብ፣ ካብዞም ሕጋዊ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዘለዎም 666 እቶም 540 ደቂተባዕትዮ ክኮኑ እንከለዉ፣ እተን 126 ድማ ደቂንስትዮ’የን።

ንኤርትራውያን ተኸቲሎም፣ ኣብ ማልታ ናይ ስራሕ ፍቓድ ካብ ዘለዎም ዝበዝሑ ዜጋታት ወጻኢ ሃገራት፣ ቻይና፣ ሶማልያን ህንድን ብቅድመ ተኸተል ተሰሪዖም ይርከቡ።

ኣብ ማልታ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ዳርጋ ብምሉኦም ካብ ሊብያ ማእከላይ ባሕሪ ብምስንጣቕ ናብታ ሃገር ብምእታው ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱ ክኮኑ እንከለዉ፣ ዜጋታት እተን ዝበዝሓ ሃገራት ግና ሕጋዊ መእተዊ ቪዛ ብምርካብ ዝሰርሑ ዘለዉ’ዮም።

==========================================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0