መንግስቲ ፈረንሳ፣ ካብ ኢጣልያ ናብታ ሃገር ብዛዕባ ዝውሕዙ ዘለዉ ኤርትራውያን ውሳነ ከሕልፍ፣ ፖሊስ እታ ሃገር ሓቲቱ

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ካብ ኢጣልያ ናብታ ሃገር ብዛዕባ ዝውሕዙ ዘለዉ ኤርትራውያን ውሳነ ከሕልፍ፣ ፖሊስ እታ ሃገር ሓቲቱ

Radio Erena: 07 August, 2014

eri refu in France Ital

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ካብ ኢጣልያ ንዝውሕዙ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝገትአ ውሳኔ ከሕልፍ ሓለዋ ዶባት እታ ሃገር ኣብቭ ዘቕረቦ ጸብጻብ ምግላጹ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ሓቢረን።

ኣብቲ ትማሊ ዳርጋ ኣብ ኩለን መደበራት ሬድዮን ቴሌቪዥንን ከምኡ’ውን ጋዜጣታት ብሓፈሻ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ክቐርብ ዝወዓለ ጸብጻባት፣ ብኢጣልያ ኣቢሎም ናብ ፈረንሳ ናይ ዝኣትዉ ዘለዉ ቁጽሪ ስደተኛታት ብዝተዓጻጸፈ ይንህር ብምህላዉ ንሰበ ስልጣን ናይቶም ኣብ ዶባ ፈረንሳን ኢጣልያን ተዋፊሮም ዘለዉ ፖሊስ ዘለዎም ሻቕሎት ብጉድ ገሊጾም ኣለዉ።

 

ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ ማለትን ግንቦትን ሰነን ብድምር ኣስታት 1200 ኤርትራውያን ብኢጣልያ ኣቢሎም ናብ ፈረንሳ ከምዝኣተዉ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፣ ኣብ ወርሒ ሓምለ ግና ኣብ ሓደ ወርሒ ጥራይ ናብ ልዕሊ 2 ሽሕ ከምዝዓረገ’ውን ጠቒሱ።

ኣብቲ ምስ ኢጣልያ ዘዳውብ ቦታትት ዝተዋፈሩ ፖሊስ ፈረንሳ፣ ብዘይካ’ዞም ኣትዮም ዘለዉ ኣሽሓት ኤርትራውያን ኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ዝኾኑ’ውን ናብ ኢጣልያ ከምዝመለሱ’ዮም ዝገልጹ።

ዳርጋ ብሙሉኦም እቶም ኤርትራውያን ኢና እናበሉ ብኢጣልያ ናብ ፈረንሳ ዝኣትዉ ዘለዉ ስደተኛታት ድማ ዝኾነ መረጋገጺ ሰነድ ይኹን መንነት ወርቐት ዘይብሎም ስለዝኾኑ ንፖሊስ ፈረንሳ ዝያዳ ሻቕሎት ፈጢሩሎም ከምዘሎ ናብ ሚኒስተሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ጥርዓን ኣቕሪቦም።

ዜጋታት ኢትዮጵያ እትርከበን ጎረባብቲ ሃገራት’ውን ብስም ኤርትራውያን ዑቕባ ንምሕታት ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ከምዝውሕዙ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ነቲ ፖሊስ ፈረንሳ ጠቒስዎ ዘሎ ቁጽሪ ኣዛይድዎ ከምዝኽእል ይግመት።

መንግስቲ ፈረንሳ ብዛዕባ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኣብ ፖሊስ ፈጢርዎ ንዘሎ ሻቕሎትን ኣብ ዝሃቦ ምላሽ በንጻሩ፣ እቶም ስደተኛታት ብመንገዲ ካሌ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝሕልኑ’ዮም ብምባል ኣብ ፈረንሳ ከምዘይነብሩ ገሊጹ።

እንተኾነ፣ ዳይረክተር ክፍሊ ስደተኛታት ፈረንሳ ክሪስቶፍ ሃሪሶን ንማዕከናት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ቁጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ዝኮነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ዛይዱ ምህላዉ ኣረጋጊጹ። እቲ ናህሪ ደው ዝብል ከምዘይመስል’ውን ኣተንቢሁ።

ሕሉፍ የማናዊ መርገጺ ዘለዎም ኣባላት ባይቶ ፈረንሳ፣ ስደተኛታት ናብታ ሃገር ንኸይኣትዉ ንምግታእ፣ ከም ናጻ ሕክምናን መጓዓዝያን፣ ስራሕ ንዘይብሎም ዝወሃብ ወርሒ ክፍሊትን ዝኣመሰለ ረብሓታት ማሕበራዊ ድሕነት ንስደተኛታት ዝኽልክል ሓዲሽ ሕጊ ክንደፍ ዝብል ሓሳብ የቕርቡ ኣለዉ።

ኣብ ኢጣልያ ኣትዮም ዘለዉ ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታትን፣ ብመንገዲ ፈረንሳ ናብ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ፋሕ ይብሉ ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0