መንግስቲ ደንማርክ ንዘቕረቦ ሓቅነት ዘይብሉ መጽናዕቲ፣ ገለ ሃገራት ኤውሮጳ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ይጥቀማሉ ከምዘለዋ ተገሊጹ

    ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም ዘጋጥሞም ዝኾነ ጸገም የለን ክብል መንግስቲ ደንማርክ ንዘቕረቦ ሓቅነት ዘይብሉ መጽናዕቲ፣ ገለ ሃገራት ኤውሮጳ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ይጥቀማሉ ኣለዋ ክብል፣ ኣካያዲ’ቲ መጽናዕቲ ዝነበረ ጀንስ ኦለሰን ገሊጹ።

    ንልዕሊ 20 ዓመታት መጽናዕቲ ኣብ ምክያድን ጸብጻብ ሃገራትን ኣብ ምክያድ ክነጥፍ ዝጸንሐ ጀንስ ኦለሰን ምስ ሬድዮ ኤስ.ኣር.ኤፍ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፣ ኣብ ኤርትራ ዘካየዶ ናይ መወዳእታ ዑደቱ፣ ተወሳኺ ግዜ ከምዘድልዮ ሓቢሩ ምንባሩ ድሕሪ ምግላጽ፣ ነቲ ዝወጸ ጸብጻብ ከምዘይደገፎ ኣፍሊጡ።

    ንሱ ብተወሳኺ፣ እቲ ጸብጻብ ሓቅነት የብሉን ጥራይ ዘይኮነ፣ መንግስቲ ደንማርክ ብዘካየዶ መጽናዕቲ እንዳበላ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ስደተኛታት ንኸይቅበላ ከም መመኻነዪ ይጥቀማሉ ምህላወን፣ ነቶም ሰብ ሞያ ሕፍረት ኣሰኪሙና ይርከብ፣ ክብል ነቲ ከም ብሪጣንያ ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘለወን ፖሊሲ ንኸትርራ ዘቕርቦኦ መርትዖ ነጺጉዎ።

    ብክፍሊ ስደተኛታት ደንማርክ ተወዲቡ ኣብ መፋርቕ 2014 ናብ ኤርትራ ጉዕዞ ብምክያድ ኦለሰን ዝርከቦ ጉጅለ ልኡኽ መጽናዕቲ ኣብ ዘካዪደሉ ዝነበረ እዋን፣ ሰበስልጣን ደንማርክ ኦለሰን ‘ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ዓዶም ክምለሱ ዝኾነ ጸገም ኣየጋጥሞምን’ ዝብል ጸብጻብ እንተ ኣቕሪቡ፣ ደሞዝ ክውሰኸሉ ምዃኑ ከምዝነገርዎ የብርህ።

    እንተኾነ ንሱ ብነጻ ምስ ህዝቢ ተዘራሪቡ መጽናዕቱ ከቕርብ ተወሳኺ ግዜ ከምዘድልዮ ኣብ ዝሓበረሉ፣ ናብ ደንማርክ ክምለስ ከምዝተጸወዐ ገሊጹ።

    ብሪጣንያ እትርከበን ሓድ ሓደ ሃገራት ኤውሮጳ ነዚ ናይ ደንማርክ ዘይቅኑዕ ጸብጻብ ክጥቀማሉ ክፍትና እንከለዋ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓያሎ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከኣ ብኣንጻሩ፣ እቲ ጸብጻብ ዝተሰነዐን ምስ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዘይቃዶን እዩ ክብሉ ብእዋኑ ነጺጎሞ እዮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0