ንግብሪ 2% ብዝምልከት ፖሊስ ስዊዘርላንድ መርመራ ጀሚሩ

    ፈደራል ፖሊስ ስዊዘርላንድ ብኤምባሲ ኤርትራ ንዝእከብ ዘሎ ዘይሕጋዊ ግብሪ ክልተ ካብ ሚእቲ ኤርትራ ብዝምልከት መርመራ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

    ዳይረክተር ፈደራል ፖሊስ ኒኮለታ ደላ ቫለ፣ ምስ ማዕከን ዜና ኤስ.ኣር.ኤፍ. ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ ካብ ዝርከቡ ዜጋታቱ ዝእክቦ ዘሎ ግብሪ ክልተ ካብ ሚእቲ፣ ዘይሕጋዊ ብምዃኑ እኹል መርትዖ ኣብ ዝተኣከበሉ እዋን ወግዓዊ ክሲ ክምስረተሉ እዩ ኢሉ።

    ንሱ ብተወሳኺ እቲ ምእካብ ክልተ ካብ ሚእቲ ዘይሕጋዊ ዝገብሮ ቀንዲ ምኽንያት፣ መንግስቲ ኤርትራ ካብ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ግብሪ ከኽፍል ፍቓድ ብዘይምሕታቱ’ዩ፣ ኢሉ።

    ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ኤርትራውያን ክልተ ካብ ሚእቲ እንተዘይከፊሎም ዝወርዶም ምፍርራህ ኣብ ቦትኡ እንከሎ፣ ብውሑዱ መንግስቲ ኤርትራ ካብ መንግስቲ ስዊዘርላንድ መሰል ምእካብ ግብሪ ብዘይምሕታቱ ገበን ይገብሮ ድሕሪ ምባል ዳይረክተር ደላ ቫለ፣ ነዚ ብኤምባሲታትን ቆንስላዊ ጉዳያትን ዝእከብ ዘይሕጋዊ ግብሪ ደው ክብል ካብ ሓያሎ ወገናት ጥርዓን ክመጽእ ከምዝጸንሐ ሓቢሩ።

    ዝበዝሑ ኤርትራውያን ቃል ምስክርነቶም ክህቡ ስለዝፈርሁ ነቲ መርመራ ከቢድ ጌሩዎ እኳ እንተሎ፣ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ንኤርትራውያን ዑቕባ ክህብ ከሎ ሰብኣዊ ውሕስነት’ውን ይህብ ከምዘሎ ክዝከር ይግባእ ድሕሪ ምባል እቲ ዳይረክተር ፈደራል ፖሊስ፣ ዝኣክል ጭብጢ ኣብ ዝተረኽበሉ ኣብ መወዳእታ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ወግዓዊ ክሲ ክጅምር ገሊጹ።

    ከምዝፍለጥ መንግስቲ ኤርትራ ብመንገዲ ኤምባሲታቱ ኣቢሉ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነብሩ ዜጋታት 2 ሚእታዊት ካብ ኣታዊኦም ብምኽፋል፣ ብሚልዮናት ዶላራት ዝግመት ገንዘብ ክእክብ ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0