ኣብ ኦውስትሪያ፣ ከባቢ ሓምሳ ዝኾኑ ሰባት ኣብ ሓንቲ ናይ ጽዕነት መኪና ሞይቶም ተረኺቦም

    ኣብ ኣውስትሪያ፣ ከባቢ ሓምሳ ዝኾኑ ሰባት ኣብ ሓንቲ ናይ ጽዕነት መኪና ሞይቶም ከምዝተረኽቡ፣ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

    እቶም ሓምሳ ዝኾኑ ሰባት ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ምዃኖምን፣ ብሕጽረት እስትንፋስ ከምዝሞቱን ተሓቢሩ። እንተኾነ መንነት ኮነ ዜግነት’ቶም ግዳያት ብወግዒ ኣይተሓበረን።

    ሬሳ ናይቶም ግዳያት፣ ኣብ ሓንቲ መዝሓሊ ኣየር ዘለዋ ናይ መግቢ መመላለሲት ናይ ጽዕነት መኪና ዝተረኽበ ኮይኑ፣ ተሓቢኦም ዶብ ክሰግሩ ዝሓለኑ ስደተኛታት’ዮም ክብል መንግስቲ’ታ ሃገር ገሊጹ።

    ቀንዲ ጠንቂ ሞት’ዞም ስደተኛታት ገና ኣብ መርመራ’ኳ እንተሎ፣ መራሕ መኪና’ታ መመላለሲት መግቢ ቅድሚ ሳልስቲ ራሕሪሑዎም ስለዝተሰወረ ነቲ ናይ ምጽራይ መስርሕ ኣደናጉዩዎ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

    ወሃብ ቃል ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኦውስትሪያ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኣብታ ናይ ጽዕነት መኪና ካብ 20 ክሳብ 50 ዝኾኑ ስደተኛታት ከምዝነበሩ’ኳ እንተገለጸ፣ መርመራ ከይተወደአ ልክዕ ቁጽሪ ኮነ መንነት ናይቶም ግዳያት ክህብ ከምዝሽገር ገሊጹ።

    ፖሊስ’ታ ሃገር ብወገኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እታ መኪና ብረቡዕ ደኣ ትረኸብ እምበር፣ እቶም ሰባት ቅድሚ ነዊሕ እዋን ስለዝሞቱ፣ መንነቶም ንምፍላጥ ከምዘይከኣል ገሊጹ።

    መንግስቲ ኦውስትሪያ፣ ‘እዞም ግዳያት ዝተረኽቡላ መዓልቲ፣ ጸላም መዓልቲ ክብል ድሕሪ ምግላጽ፣ ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ንገንዘብ ክብሉ ህይወት ንጹሃት ሰባት የጥፉኡ ብምህላዎም፣ ጽኑዕ ምክትታል ተገይሩ ግቡእ ፍርዶም ክወሃቦም እዩ’ ኢሉ።

    ፖሊስ ኦውስትሪያ ድሕሪ’ዚ ኣሰቃቒ ፍጻሜ ኣብ ልዑል ተጠንቀቕ ብምህላዉ፣ ኣብ ዓበይቲ መካይን ተፍትሽ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን፣ 10 ህጻናት ዝርከብዎም 34 ስደተኛታት፣ ኣብ ሓንቲ ዓባይ ናይ ጽዕነት መኪና ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

    ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ናብ ኤውሮጳ ንምእታው ህይወቶም ከፊሎም ኣብ ዘካይዱዎ ሓደገኛ ጉዕዞ፣ ኣብ ኢድ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ኣብ ዝወድቁሉ እዋን፣ ግዳይ ዝተፈላለየ ዓመጽ፣ ግፍዕን ሞትን ይኾኑ ከምዘለዉ በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0