መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ምስ ተቓወምቲ ኣብ ስምምዕ ከይንበጽሕ ኣብ ጎረቤት ዝርከቡ ጸላእትና ዕንቕፋት ኮይኖም ኣለዉ ክብል ይኸስስ

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ምስ ተቓወምቲ ኣብ ስምምዕ ከይንበጽሕ ኣብ ጎረቤት ዝርከቡ ጸላእትና ዕንቕፋት ኮይኖም ኣለዉ ክብል ይኸስስ

Radio Erena: April 22, 2014

Juba Minister

መንስግቲ ደቡብ ሱዳን ፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ንተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን የሰልጥን ኣሎ ዝብል ጥርጣረታት ከምዘለዎ ተገሊጹ።

ኣፈኛ ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ፊሊፕ ኣጉዌር ንሻርቕ ኣልኣውሳጥ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ንባንቱይ ዘጥቕዑ ተቓወምቲ ብመንግስቲ ካርቱም ዝሰልተኑ’ዮም ክብል ድሕሪ ምግላጹ’ዩ እዚ ናይ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ጥርጣረታት ግሁድ ኮይኑ ዘሎ።

ኣፈሻ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ኣል ሳዋርሚ ካሊድ ሰዓድ ብወገኑ፣ እቲ ብደቡብ ሱዳን ዝቐረብ ዘሎ ክሲ ውጹእ ሓሶት ምዃኑ ብምግላጽ፣ መንግስቲ ሃገሩ ንመስርሕ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ከምዝድግፍ ደጊሙ ኣፍሊጡ።

 

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን፣ ባርናባ ማርያል ቤንጃሚን ድሕሪ’ዚ መንግስቲ ካርቱም ንተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን ይድግፍ ኣሎ ዝብል ክሲ፣ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ጸላእትና መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ንኸይዕወትን ዞባና ርግኣት ንኸይህልዎን ይሰርሑ ኣለዉ ክብል ከሲሱ።

እቲ ሚኒስተር ዝኾነት ሃገር ወይ መንግስቲ እኳ እንተዘይጠቐሰ ምስዚ ምስ መንግስቲ ኣልበሽር ተፈጡሩ ዘሎ ዘይምትእምማን ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ማዕከናት ዜና የመልክታ።

ፕረዚደንት ኣልበሽር ምስ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ሚያርዲት ኣብ ዝተራኸበሉ ንመስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ዘለዎ ደገፍ ብወግዒ ኣረጋጊጹ’ዩ።

ኣቐዲሙ’ውን ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝተራኽበሉ፣ ክልቲኦም መራሕቲ ንመንግስቲ ሳልቫኪር ሚያርዲት ዘለዎም ደገፍ ብሓባር ምግላጾም ይዝከር።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ባንቱይ ዝተኻየደ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን መጥቃዕቲ ግና፣ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ መንግስቲ ኣልበሽር እምነት ከምዘይብሉ ግሁድ ጌርዎ ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ’ውን ንተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን ንምርካቦም ጻዕርታት የካይድ ኣሎ ዝብል ክስታት ኣቐዲሙ ክትቐስ እንተጸንሐ፣ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ይኹን ተቓወምቲ ነቲ ዝቐረበ ሓበሬታ ናይ እወታ ምላሽ ኣይሃብሉን።

===============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0