መንግስቲ እስራኤል ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ይገፍፍ

መንግስቲ እስራኤል ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ይገፍፍ

Radio Erena: 17 February 2015

Israeli gifa

መንግስቲ እስራኤል፣ ኣብ ቴልኣቪቭ ኣብ ዘካየዶ ሃንደበታዊ ግፋ 10ታት ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብታ ከተማ ሓቢሩ።

እቲ ግፋ፣ ካብ ክፉት- ቤት ማእሰርቲ ሖሎት ብዘይፍቓድ ንዝወጹን ዝተዋህቦም መንበሪ ፍቓድ ግዜኡ ንዝወደቀን ንምህዳን ብዝብል ምኽንያት ዝተኻየደ ኮይኑ ንሓያሎ ካልኦት’ውን ከምዝለከመ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የነጽር።

 

ኣውራ ግፋ ዝተኻየደሉ ቦታታት ቴልኣቪቭ፣ ኤርትራውያን ሱዳናውያንን ብብዝሒ ዘዘውትርዉ ተኸናመርከዚን ለቪሽኣናን ዝተባህለ ከባቢታት ኮይኑ፣ ኣብ ካልእ ክፋል ከተማ ቴልኣቪቭ’ውን ብመጠኑ ግፋ ምንባሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እቶም ብቅድሚ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ግፋ ዝተታሕዙ ቁጽሮም ብንጹር ዘይተሓበረ ኤርትራውያን ናበይ ቦታ ከምዝተወስዱ ዛጊት ኣይተፈልጠን።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል፣ ነቲ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ዝርከብ ዝነበረ ማእከል መሐደሲ ቪዛ ስደተኛታት ኣብ ሓደ ቦታ ጥራይ ክኸውን ምውሳኑ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን መንበሪ ፍቓድ ወይ ቪዛ ንምሕዳስ ኣብ ርእሲ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ናይ ቦታ ገልታዕታዕ፣ ኣብ ግዜኡ ንምሕዳስ’ውን ተጸጊሞም ምህላዎም ይንገር።

መንበሪ ፍቓድ ከየሐደሰ ንዕሊ ሓደ ሰሙን ዝጸንሐ ዝኾነ ኣብ እስራኤል ዝነብር ስደተኛ ኸኣ ብፖሊስ ተገፊፉ ክእሰር ዝብል ሕጊ ጸዲቑ ይርከብ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0