ኣብ ከባቢ ባጽዕ ዝርከቡ ሶማላውያን ስደተኛታት ቆላሕታ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ይጠልቡ

ኣብ ከባቢ ባጽዕ ዝርከቡ ሶማላውያን ስደተኛታት ቆላሕታ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ይጠልቡ

Radio Erena: 17 February 2015

Emkulu

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኤርትራ ከባቢ እምኩሉ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ተዓቝቦም ዝርከቡ ሶማላውያን ስደተኛታት ኣህጉራዊ ቆላሕታ ክረኽቡ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም።

እቶም ኣስታት 2800 ዝኾኑ ሶማላውያን ስደተኛታት፣ ብመንግስቲ ኤርትራን UNHCን ግዝያዊ ሓገዝ ይግበረሎም እኳ እንተሎ፣ ከም ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ናይ ምጥያስ ዝኣመሰለ ንነዊሕ ዝዓለመ መደባት ብዝልዓለ ክድፍኣሉ’ዮም ዝጠልቡ።

ብቤት ጽሕፈት ጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራን ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ዝመሓደር፣ ኣብ ከባቢ ባጽዕ እምኩሉ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ተደኵኑ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ዝርከቡ ሶማላውያን ስደተኛታት ቁጽሮም ውሑድ ብምዃኑ፣ ናይ ትምህርትን ካልእ ስልጠናታትን ዕድል እናተዋህቦም ኣብታ ሃገር ዝጣየስሉ ተኽእሎ ምህላዉ እኳ ክግለጸሎም እንተጸንሐ፣ ንሳቶም ግና ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክጣየሱ’ዮም ዝሓቱ ዘለዉ።

 

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ እቶም ስደተኛታት ኣስመራ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ እናተመላለሰ ክከታተሎ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ በዚ ሕጂ እቶም ስደተኛታት ዘቕርብዎ ዘለዉ ምሕጽንታ ግና፣ ኣብ ኡምኩሉ ቀዋሚ ቤት ጽሕፈት ብምኽፋት ጉዳያቶም ክሰምዕ ምዃኑ ይንገር።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ነቶም ስደተኛታት መሰረታዊ ናይ ናብራ ለውጢ ንምግባር ምስ ሚኒስትሪ ሃገራዊ ልምዓትን ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራን ስምምዓት ከቲሙ ከምዘሎ’ዩ ዝሕብር።

ነቶም ስደተኛታት ንምሕጋዝ ዝውዕል ዝተፈላለየ ናውቲ’ውን ካብ ኤምባሲ ስዚዘርላንድ ሓገዝ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እታ ዝበዝሑ ስደተኛታት ኣዕቑባ እትርከብ ሃገር ኬንያ ክትከውን እንከላ እታ ዝወሓዱ ስደተኛታት ዘዕቖበት ድማ ኤርትራ’ያ።

=============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0