ግብጺ፣ ተቓወምቲ የመን ንኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ – ባብ ኤልመንደብ ከይዓጽዉ ተጠንቕቕ

ግብጺ፣ ተቓወምቲ የመን ንኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ – ባብ ኤልመንደብ ከይዓጽዉ ተጠንቕቕ

Radio Erena: 17 February 2015

Bab Elmendeb

ተቓወምቲ ሑቲ ናይ የመን፣ ምስ ህንዳዊ ውቕያኖስ ዘራኽብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ – ባብ ኤልመንደብ እንተዓጽዮሞ፣ ግብጺ ኣብ የመን ወትሃደራዊ ምትእትታው ክትፍጽም ምዃና ተገሊጹ።

እዚ ዝተገልጸ፣ እቶም ተቓወምቲ ኣቀዲሞም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝርከብ ወደብ ሖዴይዳን ደሴታት ዝቑር ሓኒሽን ድሕሪ ምቁጽጻር ናብ ባብ ኤልመደብ ይግስግሱ ምህላዎም ኣብ ዝተገልጸሉ እዋን’ዩ።

ተቓወምቲ ሑቲ፣ ንመንበረ-መንግስቲ እታ ሃገር ዝኾነት ከተማ ሰንዓ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽሮም ድሕሪ ምእታው፣ መንግስቲ እታ ሃገር ተበቲኑ ይርከብ።

 

ገስጋስ ተቓወምቲ ሑቲ ዘሻቐለን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ህጹጽ ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዐን ኣለዋ።

ግብጺ ግና ካብዚ ናይዘን ሃገራት ወሽመጥ ብዝተፈልየ፣ ምዕጻው ባብ ኤልመንደብ ምስ ምግሃስ ልኡላውነት ሃገር ከምዝጥመት ብምግላጽ፣ ወትሃደራዊ ምትእትታው ከምእትፍጽም ብመንገዲ በዓል መዚ ስወጽ ካናል ማሓብ ማሚሽ ኣፍሊጣ ኣላ።

ምዕጻው ባብ ኤልመንደብ ንግብጺ ሃገራዊ ስግኣት’ዩ ዝበለ እቲ በዓል ስልጣን፣ ተቓወምቲ የመን ናብቲ ከባቢ ከይግስግሱ ኣጠንቒቑ።

ግብጺ፣ ነዊሕ ርሕቀት ብምጉዓዝ መጥቃዕቲ ክፍጽማ ዝኽእላ 24 ነፈርቲ ውግእን ኣርባዕተ መራኽብ ኵናትን ብልዕሊ 6 ቢልዮን ዶላር ካብ ፈረንሳ ምሽማታ፣ ነቲ ኣብ የመንን ኢትዮጵያን ብናይልን ባብ ኤልመደብን ክመጻ ዝኽእል ስግኣታት ወትሃደራዊ ጸቕጢ ንምግባር ዝዓለመ ምዃኑ ተንተንቲ ይእምቱ።

ብፍላይ እዚ ናይ የመን ኩነታት ንሓይሎ ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት ኣብ ሻቕሎት ሸሚሙ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣቐዲሙ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብዛዕብኡ ብዝምልከት ናብ መራሕቲ ስዑዲ ዓረብን ግብጽን መልእኽታት ከምዝሰደደ ተገሊጹ’ዩ።

ምዕጻው እቲ ንጅቡቲ፣ የመን፣ ኤርትራን ሶማልን ዘዋሰነ ባብ ኤልመንደብ፣ ኣብቲ ብመንገዲ ቀይሕ ባሕሪ ብስዌጽ ካናል ናይ ግብጺ ኣቢሉ ዝካየድ ንግዳዊ ልውውጥ ምዕራብን ምብራቕን ዓለም ኣብ ሓደጋ ከእትዎ ይኽእል’ዩ።

በዚ መንገዲ’ዚ ነዳዲን ካልእ ኣቑሑን ዝጸዓና ብውሕዱ 30 ዓበይቲ ናይ ንግዲ መራኽብ መዓልታዊ ከምዝመላለሳ ጸብጻባት የመልክቱ።

==============

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0