መንግስቲ እስራኤል ስደተኛታት ካብ ሃገሩ ክጥርዝ ኣውጺእዎ ዘሎ መደብ ንኽስርዝ፣ ብሪጣንያ ኢድ ከተእቱ ጻውዒት ቀሪቡ

መንግስቲ እስራኤል ስደተኛታት ካብ ሃገሩ ክጥርዝ ኣውጺእዎ ዘሎ መደብ ንኽስርዝ፣ ብሪጣንያ ኢድ ከተእቱ ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 11 February 2018

depor_demoመንግስቲ እስራኤል ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ካብ ሃገሩ ክጥርዝ ኣውጺእዎ ዘሎ መደብ ንኽስርዝ፣ ብሪጣንያ ኢድ ከተእቱ ናይ ፊርማታት ምእካብ ጻውዒት ቀሪቡ።

እዚ ብኤርትራውያንን ብሪጣንያውያንን ዝተጸወዐ ፊርማ ናይ ምእካብ መስርሕ እኹል ድምጺ እንተረኺቡ፣ ፓርላማ ብሪጣንያ ክዝትየሉ ከምዝግደድ እዩ ዝግለጽ።

ኣብዚ መንግስቲ እስራኤል ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝኾኑ ስደተኛታት ናይ ምጥራዝ መስርሕ ንምቅዋም ኣብ ሓያሎ ሃገራት ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፣ ፊርማታት ናይ ምእካብ ጎስጓስ እውን ማዕረ ማዕሪኡ ይካየድ ከምዘሎ’ዩ ዝፍለጥ።

ኤርትራውያን ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ኣይኮኑን ዝበለ እዚ ብብሪጣንያውያን ዝካየድ ዘሎ ፊርማ ናይ ምእካብ ጎስጓስ፣ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታትን ስርዓተ ምሕደራን መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፣ እቶም ኤርትራውያን እስራኤል ንምብጻሕ ዝሓለፉዎ ናይ ሞት ህይወት መከራ እኹል መርትዖ’ዩ ክብል ኣነጺሩ።

ኣቐድም ኣቢሉ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ መንግስቲ እስራኤል ብምርኻብ፣ እስራኤል ንገለ ክፋል እቶም ስደተኛታት ሕጋዊ ኣፍልጦን ዑቕባን ክትህቦም፣ ነቶም ዝተረፉ ከኣ ተጸዋዒ ስደተኛታት ናብ ካልኦት ዝያዳ ውሕስነት ዝህባ ሃገራት ከሰጋግሮም ዝብል እማመ ከምዘቕረበ ተሓቢሩ’ዩ።

ነዚ መንግስቲ እስራኤል ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክወጹ ወይ ድማ ንዘይተወሰነ ግዜ ክእሰሩ ናይ 60 መዓልታት ግዜ ዝሃቦ ንምቅዋም፣ ተጣበቕቲ መሰላትን ግዱሳት ውልቀሰባትን ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ናይታ ንዝተሰጎጉ ስደተኛታት ክትቅበል’ያ እትበሃል ዘላ ሩዋንዳ ብምትእኽኻብ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ምክያድ ይርከቡ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0