ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሱዳንን ግብጽን ርክብ ኣካዪዶም

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሱዳንን ግብጽን ርክብ ኣካዪዶም

Radio Erena: 11 February 2018

 shoukri and ghandurሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሱዳንን ግብጽን ብሓሙስ ሸሞንተ ለካቲት ርክብ ኣካዪዶም።

ብመሰረት’ቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተበጽሐ ዘተ ናይ ምቕጻል ስምምዕ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶር ናብ ካይሮ ዑደት ብምክያድ ምስ ግብጻዊ መዘንኡ ከምዝተራኸበ ሺን ሁዋ ሓቢሩ።

ሳምሕ ሹክሪ ድሕሪ’ቲ ዘተ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝተኻየደ ርክብ፣ ሱዳንን ግብጽን ፍልልያተን ንምፍታሕ ክኽተላኦ ብዛዕባ ዘለወን ናይ ዘተ መርሓ ሕንጻጽ ከምዘጽደቐ ሓቢሩ።

ንሱ ብተወሳኺ እዚ ብደረጃ ሚኒስተራት ዝተኻየደ ዘተ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብደረጃ ፕረዚደንታት ክካየድ ምዃኑ ገሊጹ።

ጎኒ ጎኒ’ዚ ናይ ሚኒስተራት ዘተ፣ ሓለፍቲ ጸጥታ ክልቲኤን ሃገራት’ውን ርክብ ከምዘካየዱ፣ ካብ ከተማ ካይሮ ዝተመሓላለፈ ዜና የመልክት።

ንግብጽን ሱዳንን ዘሰሓሕብ ንጉዳይ ዞባታት ሓላይብን ቕስም ሻላቲንን ሓዊስካ ሓያሎ ዛዕባታት ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ግብጺ ምስ ኤርትራ ተሻሪኻ ጸጥታዊ ስግኣት ትፈጥረለይ ኣላ ክትብል ሱዳን ድሕሪ ምኽሳሳ’ውን እቲ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ምብጽሑ ይፍለጥ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0