ፕረዚደንት በሺር፣ ኣብ ናይ ካይሮ ዘተ ንዝተሳተፈ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ካብ መዝነቱ ሰጕጉዎ

ፕረዚደንት በሺር፣ ኣብ ናይ ካይሮ ዘተ ንዝተሳተፈ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ካብ መዝነቱ ሰጕጉዎ

Radio Erena: 12 February 2018

Atta

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሱዳን መሓመድ ዓጣ ኣል ሞላ ካብ መዝነቱ ከምዝኣለዮ ተሓቢሩ።

ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ብ11 ለካቲት ኣብ ዝመሓላለፎ ዜና፣ ሓለፊ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ሱዳን ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኣል ሞላ፣ ብጎሽ ንዝፍለጥ ሳላሕ ዓብደላ መሓመድ ሳልሕ ተኪእዎ ኣሎ።

ፕረዚደንት በሽር ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢን ሓለፍቲ ጸጥታን ዝተሳተፈ ኣል ሞላ ካብ መዝነቱ ዝሰጎጎሉ ምኽንያት ኣየነጸረን።

ይኹን’ምበር ምስቲ ብሰንኪ ወሰኽ ዋጋታት መሰረታዊን ነገራት ኣብ መላእ ሱዳን ዝተጎሃሃረ ሰለማዊ ሰልፍታትን ኣተኣላልይእዉን ዝተተሓሓዘ ክኽውን ከምዝኽእል ይግመት።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሱዳን ካብ መጀመርያ ወርሒ ጥሪ ኣትሒዛ ካብ ካይሮ ስሒባቶ ዘላ ኣምባሳደራ፣ ኣብዚ ቀረባ ናብ ግብጺ ክትመልሶ ምዃና ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢብራሂም ጋንዶር ገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር ነዚ ዘፍለጠ፣ ምስ ግብጻዊ መዘንኡ፣ ኣብ ካይሮ ዘተ ድሕሪ ምክያዱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ’ዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0