መንግስቲ እስራኤል፣ ካብ ነፍሲ ወከፍ ስደተኛ፣ 20% ካብ ኣታዊታቱ ብግዴታ ተቖሪጹ፡ ክተሓዝ ዝብል ውሳኔ ኣብ ግብሪ ኣውዒሉ

Radio Erena: 03 May 2017

Isra Er 20

መንግስቲ እስራኤል፣ ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከብ ነፍሲ ወከፍ ስደተኛ 20% ካብ ኣታዊታቱ ብግዴታ ተቖሪጹ፡ ኣብ ፍሉይ ባንክ ተቐሚጡ ክጸንሕ ዝብል ሓድሽ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ኣውዒሉ።

እዚ ኣብ ሓድሽ ዓመት፣ ዓመተ 2017 ዝወጸ ውሳኔ፣ ነፍሲ ወከፍ ስደተኛ፣ 20% ካብ እቶቱ ኣብ ባንክ ብመንግስቲ ተቖሪጹ ክተሓዝን፣ ካብ ሃገር ክወጽእ ፍቓደኛ ምስ ዝኸውን ጥራይ ከምዝወሃቦም’ዩ ዘገድድ።

መንግስቲ እስራኤል ክወጽእ ዝኣዘዞ ስደተኛታት ፍቓደኛ እንተዘይኮኑ ከኣ እቲ ኣብ ባንክ ብግዴታ ተታሒዙ ዝርከብ ውህሉል 20 ሚእታዊት ካብ ኣታዊታቱ ክህገር ምዃኑ ይግለጽ።

እቲ መንግስቲ ካብ 1 ግንቦት፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ኣውዒልዎ ዘሎ ሓድሽ ውሳኔ፣ ቆልዑ ንዘለዎም ስድራቤታትን ብዝያዳ ክሃሲ ምዃኑ ኣቐዲሙ ክዝረበሉ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ ውሳኔ ኣብ ዝወጽኣሉ እዋን፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ከቢድ ጸቕጢ ብምፍጣሩ፣ ኣብቲ ብክፉት ቤት ማእሰርቲ ዝፍለጥ ኾሎት ተታሒዝም ዝርከቡ ኣማኢት ኤርትራውያን፣ ናብ ዮርሳሌም ተጓዒዞም፣ ኣብ ዮርሳሌም ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገርን ፊት ፓርላማ እስራኤልን ብ26 ጥሪ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ኣይርሳዕን።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0