ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ ይዝከር

Radio Erena: 03 May 2017

Daw 3

3 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ ይዝከር ኣሎ።

ናይዚ ዓመት’ዚ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ ፣ ኤርትራ ዝበኣሰ ኩነታት ናጽነት ፕረስ ካብ ዘለወን ሃገራት ተባሂላ ንሰሜን ኮርያ ጥራይ በሊጻ’ያ ካልኣይቲ ኣብ ዝተሰርዓትሉ ኣጋጣሚ’ዩ ዝዝከር ዘሎ።

ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ብ26 ሚያዝያ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ 2017 ሓድሽ ደረጃታት ናጽነት ፕረስ፣ ካብ 180 ሃገራት ኤርትራ ኣብ መበል 179’ያ ተሰሪዓ።

ኤርትራ፣ ነዚ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ዝኸፍአ ናጽነት ፕረስ ዘለዋ ሃገራት ተባሂላ ኣብ ቀዳማይ ቦታ’ያ ሒዛ ጸኒሓ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝዝከር ዘሎ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጽ ፕረስ፣ ኣብ ከም በዓል ኤርትራ፣ ሰሜን ኮርያ፣ ቱርኪመንስታንን ካልኦትን ዝኣመሰላ ሃገራት፣ ህዝቢ ሓሳቡ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ተሓሪሙ ምህላዉ ኣጉሊሑ።

ንሓይሎ ጋዜጠኛታት ንልዕሊ 15 ዓመታት ደሃዮም ኣጥፊኡ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብታ ዘመሓድራ ሃገር፣ ባዕሉ ዝውንነን ሓንቲ ጋዜጣ፣ ሓንቲ መደበር ቴሌቪዥንን ሬድዮን እንተዘይኮይኑ፣ ህዝቢ ሓሳቡ ብናጻ ዝገልጸሉ ካልእ ናይ ብሕቲ ማዕከናት ዜና የለን።

እቲ መንግስቲ ኣብ ኢንተርነትን ቴሌፎንን ብዝገብሮ ጽኑዕ ምቁጽጻር’ውን፣ ዜጋታት ኤርትራ ዝመረጽዎ ሓበሬታ ኣብ ዝመረጽዎ ግዜን ቦታን ክቕበሉ ይኹን ከመሓላልፉ ከምዘይክእሉ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ናይ 2017 ተዓዋቲ ኣህጉራዊ ናጻ ፕረስ (ዩኔስኮ) ማለት ማሕበር ሳይንስ፣ ትምህርትን ባህልን ሕቡራት ሕቡራት ዝኾነ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ፣ ሎሚ 3 ግንቦት ኣብ ማሊዥያ፣ ከተማ ኳላሉምፑር ኣብ ዝካየድ ጽምብል ሽልማቱ ብወግዒ ንስድራቤቱ ክርከብ’ዩ።

ዳዊት ኢሳቕ፣ ምስ ሓያሎ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ኣብ 2001 ብትእዝዛ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ ዝእሰሩ ንደሓር፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ 16 ዓመታት መሊኡ፣ ዛጊት ሃለዋቶም ክፍለጥ ኣይክኣለን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0