መንግስቲ ኤርትራ ምፍራስ ኣባይቲ ብዝሰፍሐ መልክዑ ይቕጽሎ ኣሎ

መንግስቲ ኤርትራ ምፍራስ ኣባይቲ ብዝሰፍሐ መልክዑ ይቕጽሎ ኣሎ

Radio Erena: 08 April 2016

More house

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ዞባ ማእከላ ኣባይቲ ናይ ምፍራስ መስርሕ ይቕጽል ኣሎ።

በዚ መሰረት ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ከባቢታት ኣስመራ ጥራይ ኣማኢት ኣባይቲ ከምዘፍረሰ ምንጭታት ካብታ ከተማ ይሕብሩ።

መብዛሕትኡ’ቲ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ፈሩሱ ዘሎ ኣማኢት መንበሪ ኣባይቲ፣ ብጤሳ ኣብ ዝተዓደለ ከባቢታት መርሓኖ፣ ጎዳይፍን ካልእ ከባቢታትን ኮይኑ፣ ብዘይፍቓድ መንግስቲ ፍርቂ ናይ ጤሳ መሬት ብምሻጥ ዝተሃንጸ’ዩ።

 

ህዝቢ መንበሪ ቤት ክሃንጽ ዓቕሚ ስለዘይብሉ፣ ፍርቂ ናይቲ ዝዕደሎ ናይ ጤሳ መሬት እናሸጠ’ዩ መንበሪ ቤት ክሃንጽ ጸኒሑ።

ይኹን’ምበር መንግስቲ ኤርትራ፣ ናይ ጤሳ መሬት ክሽየጥ ይኹን ክልወጥ ከምዘይክእል ብምሕባር፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ፍርቂ እናሸጡ መንበሪ ቤት ክሰርሑ ዝጸንሑ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ እናሻቕ’ዩ ዘጠንቕቕ።

ምፍራስ ኣባይቲ ካብ ዝጀመረሉ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ከኣ ኣሽሓት ስድራቤታት ግዳያት ኮይነን ኣለዋ።

መንበሪ ቤት፣ ሓደ ካብ ከበድቲ ማሕበረ-ቁጠባዊ ሕሰም ህዝቢ ኮይኑ እናሃለወ፣ መንግስቲ ነዚ ንምፍታሕ ዛጊት ዝወሰዶ ተበግሶ የለን።

በንጻሩ እቲ በብእዋኑ ዝህነጽ መንበሪ ኣባይቲ፣ ነቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ደገፍቱ ብናይ ወጻኢ ባጤራታት ኤውሮን ዶላርን ከምዝሸጦ ይፍለጥ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0