ንስዑዲ ዓረብን ግብጽን ከሰሓሕባ ዝጸንሓ ደሴታት ቀይሕ ባሕሪ ንስዑዲ ክወሃባ’የን

ንስዑዲ ዓረብን ግብጽን ከሰሓሕባ ዝጸንሓ ደሴታት ቀይሕ ባሕሪ ንስዑዲ ክወሃባ’የን

Radio Erena: 11 April 2016

Egy

ንስዑዲ ዓረብን ግብጽን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘሰሓሕባ ዝነበራ ደሴታት ንስዑዲ ክወሃባ’የን።

መግለጺ ካቢነ ግብጺ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዘቕረብኦ ሓበሬታ፣ ቲራንን ሳናፊርን ዝተባህላ ክልተ ደሴታት ዘጠቓለለ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ንስዑዲ ዓረብ ክወሃባ ምዃነን ዝግለጽ ዘሎ ኣብ መንጎ ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝን ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲን ዝተበጽሐ ምርድዳእ’ዩ።

እዚ መንግስቲ ግብጺ ኣሕሊፍዎ ዘሎ፣ ከሰሓሕብ ዝጸንሐ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ንስዑዲ ዓረብ ክወሃብ ዝብል እማመ፣ ናብ ፓርላማ እታ ሃገር ብምቕራብ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ክወሃቦ’ዩ።

 

መንግስቲ ግብጺ ነቲ ከሰሓሕብ ዝጸንሐ ክሊ ማይ ብዘይዝኾነ ቅድመ ኩነትን ሕጋዊ መዕለቢን ንስዑዲ ዓረብ ክህባ ምውሳኑ፣ ንልኣላውነትን ናይ ባሕሪ፣ ክሊ ኣየርን ማይን ጥምረት እታ ሃገርን ዝግህስ’ዩ ክብሉ ኣብታ ሃገር ብዕብየቱን ጽልውኡን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራሕ ሰልፊ ሕውነት ኣስላም ዝርከብዎም ሰልፍታት ነጺጎሞ ኣለዉ።

መራሕቲ ግብጽን ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ፣ ስዑዲ ዓረብ ንግብጺ ናይ 10ታት ቢልዮናት ዶላር ሓገዝ ክትገብረላ ምዃኑ ድሕሪ ዝኣተወቶ መብጽዓ’ዩ፣ መንግስቲ ግብጺ ነተን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሩ ዝርከባ ደሴታት ንንግስነት ስዑዲ ከረክብ ምዃኑ ዘፍለጠ።

ስዑዲ ዓረብ ኣምሳያ ናይቲ ግብጺ ዝወሰደቶ ተበግሶ፣ ብዘይካቲ ምስታ ሃገር ኣብ ቁጠባ ንምትሕብባር ዝኣተወቶ መብጽዓታት ቀይሕ ባሕሪ ሰንጢቑ ምስ ግብጺ ዘራኽበ ድልድል ክትሃንጽ መደብ ከምዘለዋ’ውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ ኣሎ።

እተን ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ዓቓባ ዝርከባ ደሴታት፣ ንስዑዲ ዓረብን ግብጺን ንሓያሎ ዓመታት ከሰሓሕባ ዝጸንሓ ኮይነን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ግብጺ ዝርከባ’የን።

ስዑዲ ዓረብ ነዘን ሰብ ዘይነብረን፣ ናብ እስራኤል፣ ገማግም ባሕሪ ኤላት ቅርበት ዘለወን ደሴታት ካብ ግብጺ እንተተረኪባተን፣ ንወትሃደራዊ መዓላ ክትጥቐመለን ምዃና ተንተንቲ ብኣግኡ ይእምቱ።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0