መንግስቲ ኤርትራ፣ ብፍቓድ ኣይተሰርሐን ንዝበሎ ትካላት ኣፍሪሱ

Radio Erena: 20 September 2016

Asmara gezaw

ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝተሃንጸ’ዩ ንዝበሎ ኣሽሓት ኣባይቲ ዘፍረሰ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ከባቢ ከረንን ኣስመራን ሓያሎ ትካላት ኣፍሪሱ።

እቲ መንግስቲ፣ ነቲ ብዘይፍቓድ መንግስቲ ወይ ከኣ ካብ ሕጊ ወጻኢ’ዩ ተሃኒጹ ዝበሎ ትካላት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ’ዪ ብትራክተራት ኣዕንይዎ።

ኣብ ኣስመራ ኣብ ማእከል ሹቕ፣ ኣብ ብድሕሪ’ቲ እንዳ ክልተ ኣፉ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዱኳን፣ ብውሕዱ ሽዱሽተ ትካላት ክዓኑ እንከሎ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣስመራ’ውን ብተመሳሳሊ ዝዓነወ ከምዘሎ’ዩ ዝሕብር ድሒሩ ዝበጽሓና ሓበሬታ።

 

ኣብ ከረንን ካልኦት ከተማታትን’ውን ብዘይሕግን ፍቓድ መንግስትን ተሃኑጹ ዝተባህለ ብዙሓት ትካላት ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የነጽር።

መንግስ ኤርትራ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኤርትራ ብዘይፍቓዱ ንዝተሃንጸ ኣሽሓት ኣባይቲ ብምዕናዩ፣ ብዘይመጽለሊ ዝተረፋ ኣሽሓት ስድራቤታት ክከላበታ እንከለዉ፣ ናይ ሚሎዮናት ክሳራታት ከኣ ወሪዱወን’ዩ።

=============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0