ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ፍሉይ ዋዕላ ኣካይዱ

Radio Erena: 21 September 2016

UN refu

ብዝሒ ሓተቲ ፖለቲካዊ ዑቕባን ናይ ቁጠባ ስደተኛታትን ብደረጃ ዓለም፣ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናዛየደ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፣ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ስደተኛታት ዝምልከት ፍሉይ ዋዕላ ኣካይዱ።

እቲ ብ19 መስከረም ዝተኻየደ፣ ሓያሎ መራሕቲ ሃገራትን ወከልቲ ዝተፈላለዩ መንግስታት ከምኡ ድማ ኣህጉራውያን ትካላት ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ዝርከቡ 65 ሚልዮን ሰባት እንታይ ይኹኑ ኣብ ዝብል ነጥቢ’ዩ ዘትዩ።

ኣብቲ ዋዕላ፣ ዋሕዚ ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ንምግታእ ሰብኣዊን ልምዓታዊ ሓገዛት ምዝያድ፣ ነቶም ኣብ ሃገሮም ካብ ዘሎ ፖለቲካውን ወትሃደራውያን ንዝሃደሙ ሓተቲ ዑቕባ ከኣ፣ ሃገራት ብማዕረ ዝመቓርሐኦ ምጥያስ ክካየድ ዝብሉ ሓያሎ ኣርእስታት ንዘተ ቀሪቦም።

 

እዚ ብሕቡራት ሃገራት ንመጀመርያ እዋኑ ዝተወደበ፣ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዘተኮረ፣ ኣኼባ ሓፈሻዊ ጉባኤ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ብደረጃ ዓለም ኣብ ኣሻቓሊ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ዘመልክት’ዩ።

ሓንቲ ካብተን ዜጋታተን ዑቕባ ንምሕታት ብብዝሒ ዝስደዱ ዘለዉ ሃገራት ዝኾነት ኤርትራ’ውን ብሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ኣቶ የማን ገብርኣብ ተወኪላ ኣብቲ ዋዕላ ተሳቲፋ ኣላ።

ኣብ ዓመተ 2015፣ 65.3 ሚልዮን ሰባት መነባብርኦም ብምርሕራሕ ክመዛበሉ እንከለዉ፣ ካብዚኣቶም እቶም 21.3 ሚልዮን ዶባት ዝሰገሩ ናይ ፖለቲካ ስደተኛታት፣ 3.2 ሚልዮን ሓተቲ ዑቕባ፣ እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ 40.8 ሚልዮን ከኣ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ወይ ከኣ ናብርኦም ንምምሕያሽ ዝተሰዱ ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ምዃኖም ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0