መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ የመን ዝርከቡ ዜጋታቱ ምውጻእ ይቕጽሎ ኣሎ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ የመን ዝርከቡ ዜጋታቱ ምውጻእ ይቕጽሎ ኣሎ

Radio Erena: 21 May 2015

EthioBack

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ የመን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣብ መንጎ ተቀርቒሮም ካብ ዘለዉ ኣሽሓት ዜጋታቱ ነቶም 2524 ዜጋታቱ ናብ ዓዶም ከምዝመለሰ ኣፍሊጡ።

እዞም በብእዋኑ ናብ ዓዶም ኣትዮም ዘለዉ ኢትዮጵያውያን፣ ግጭት የመን ድሕሪ ምውልዑ ናብ ዓዶም ክምለሱ ኣብ ሰንዓ ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብህጹጽ ዝተመዝግቡ ኣስታት 4 ሽሕ ዜጋታት እታ ሃገር’ዮም።

 

ኢትዮጵያ፣ እቶም ኣብ ኤምባሲ ዝተመዝገቡ ኣስታት 4 ሽሕ ዜጋታታ ብምሉኦም ናብ ዓዶም ክሳብ ዝኣትዉ፣ እቲ ናይ ምምላስ መስርሕ ክትቕጽሎ ምዃና ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሓቢሩ።

ናብ ስዑዲ ዓረብ ንምስጋር ካብ ዝሕልኑ መብዛሕቶም ዜጋታት ኢትዮጵያን ሶማልን ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ የመን ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ።

ድሕሪ’ቲ ብስዑዲ ዓረብ ተመሪሑ ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ፣ ኣብ የመን ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ስለዝወደቁ ብዙሓት ካብኣቶም ናብ ዓዶም ክምለሱ ከምዝወሰኑ ይግለጽ።

ኣብ የመን ኣስታት 4 ሽሕ ኤርትራውያን ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ናብ ዓዶም ክምለሱ ስለዘይክእሉ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ፍሉይ ቆላሕታ ክግበረሎም ብተደጋጋሚ ይሓቱ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ነፈርቲ ውግእ ስዑዲ ዓረብ ሎሚ ኣብ የመን ኣብ ብዘካየድኦ ደብዳብ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ስደተኛታት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሶማልን ከምዝተቐትሉ ይግለጽ ኣሎ።

– ስእሊ ካብ ዘ ሪፖርተር

==================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0