“መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጉልባብ ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ መሰል ሓሳብ ብናጻ ምግላጽ ይጥሕስ” HRW

Radio Erena: 07 May 2020

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጉልባብ ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ መሰል ሓሳብ ብናጻ ምግላጽ ይጥሕስ ከምዘሎ ሁማን ራይትስ ዎች ወቒሱ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ተጣባቒ መሰላት፣ ብ6 ግንቦት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 8 ሚያዝያ ናይ ህጹጽ እዋን ድሕሪ ምእዋጁ፣ ብዛዕባ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያታት ርእይቶኦም ንዝሃቡ ጋዜጠኛ ያየሰው ሺመልስን በዓልቲ ሞያ ሕጊ ኤሊዛቤት ከበደን ከምዝኣሰሮም ከም ኣብነት ኣዘኻኺሩ።

ብዛዕባ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ጉጉይ ሓበሬታ ምሃብ ዘተሓሳስብ እኳ እንተኾነ፣ በዚ ተማኻንዩ ግና መሰል ሓሳብ ብናጻ ናይ ምግላጽ ክድረት ከምዘይብሉ ዘገንዘበ እቲ ትካል፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብጉልባብ እዚ ለበዳ፣ ሕጋዊ መስርሕ ዘይተኸተለ ማእሰርቲ ይስዕብ ከምዘሎ’ዩ ኣመልኪቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0