መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ዝወጠኖ  ናይ መሬት ልምዓት፣ ብሰንኪ ተቓውሞ ህዝቢ ኦሮሞ ከምዝሰረዞ ይግለጽ ኣሎ

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ዝወጠኖ ናይ መሬት ልምዓት፣ ብሰንኪ ተቓውሞ ህዝቢ ኦሮሞ ከምዝሰረዞ ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena: 18 December 2015

Oromo

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኦሮሞን ከተማ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ዝወጠኖ ናይ ልምዓት ማስተር ፕላን ብሰንኪ ተቓውሞ ህዝቢ ኦሮሞ ደው ከምዘበሎ ተሓቢሩ።

እቲ ኣብ ወፍርን ንግድን ዘተኮረ ናይ መሬት ውጥን ብህዝቢ ተቐባልነት ስለዘይረኸበ፣ ተቛሪጹ ከምዘሎ ዝሓበረ ምምሕዳር ናይቲ ፕሮጀክት፣ እቲ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ፕሮጀክት’ውን ከምዝተዓጽወ መንግስቲ ብመንገዲ ማዕከን ዜናኡ ኣፍሊጡ።

ኣንጻር እቲ ብመንግስቲ ዝቐረበ ውጥን መሬት ዝቐንዐ ተቓውሞ ብተማሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ ፈሊሙ ናብ መላእ ሕብረተሰብ ኦሮሞ ድሕሪ ምልሓሙ፣ ሓይልታት መንግስቲ ነቲ ተቓውሞ ንምግታእ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ብውሕዱ 40 ሰባት ከምዝተቐትሉ’ዩ ዝግለጽ።

እቲ ተቓውሞ ድሕሪ ናብ ናዕብን ዕግርግርን እናዓረገ ንልዕሊ ሰለስተ ሰሙን ድሕሪ ምቕጻሉ፣ ኣብታ ሃገር ከቢድ ጸጥታዊ ስግኣት ስለዝፈጠረ፣ መንግስቲ ነቲ ተቓውሞ ሓይልታት ጸጥታ ብምውፋር ከህድኦ ስለዘይክኣለ፣ ነቲ ዝወጠኖ ክስውርዞ ከምዝወሰነ ካብ ኢትዮጵያ ዝመሓላለፍ ዘሎ ሓበሬታ የረድእ።

 

እቲ ውጥን መሬት ከምዝተሰረዘ ምምሕዳር ናይቲ ፕሮጀክት ድሕሪ ምሕባሩ፣ እቲ ንሎሊ ሰለስተ ሰሙን ዝቐጸል ተቃውሞ ህዝቢ ኦሮሞ ክሃድእ ተኽእሎ ከምዘሎ ሓያሎ ወገናት ካብ ሃገር ይገልጹ።

ሬድዮ ኤረና ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተወከሰቶም ካልኦት ምንጭታት ከኣ፣ ምስዚ ሕብረተ ሰብ ኦሮሞ ዘካይዶ ዘሎ ተቃውሞ ተተሓሒዙ፣ ኣብ ማእከል ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናዕብን ዕግርግርን ከይጎሃሃር ስግኣት ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ሓይልታት ጸጥታ ኣብታ ከተማ ብብዝሒ ተዋፊሮም ምህላዎም ኣረዲኦም።

ህዝቢ ኦሮሞ፣ ነቲ ብሰንኪ ውጥን መሬት ዘበገሶ ተቓውሞ፣ ናይ ቋንቋን መሰልን ዝኣመሰለ ተወሳኺ ሕቶታት ከምዘልዓለ ይፍለጥ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0