ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ተዓዋቲ ብሉጽ ተቐዳዳምይ ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2015 ኮይኑ

ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ተዓዋቲ ብሉጽ ተቐዳዳምይ ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2015 ኮይኑ

Radio Erena: 18 December 2015

Dan

ፕሮፌሽናል ተቐዳዳምይ ብሽክለታ ኤርትራዊ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት፣ ናይዚ ዓመት’ዚ ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኮይኑ ተዓዊቱ።

ኣብዚ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓያሎ ተቐዳደምቲ ንብሉጽ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ ዝተረቑሑሉ ዓመት፣ ዳኒኤል ዝልዓለ ድምጺ ብምርካብ’ዩ ጸብለል ኢሉ።

ኣባል ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክልተ ኤምቲኤን ኩቤካ (ዳይመንሽን ዳታ) ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት፣ ኣብ ዙር ፈረንሳ 2015 ዝተሳተፈ ናይ መጀመርያ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ምዃኑን፣ ኣብ ቦኽሪ ሱታፌኡ ኸኣ ማልያ ኣንበሳ ዓቐብ ምዕዋቱን ይዝከር።

ኣብዚ ብደረጃ ዓለም ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ዙር ፈረንሳ ዘርኣዮ ኣንጸባራቒ ዓወት ከኣ ንጋንትኡን ሃገሩ ኤርትራን ጥራይ ዘይኮነ ንመላእ ኣህጉር ኣፍሪቃ ሓበን ምዃኑ መራሕቲ ሃገራት፣ ኣምባሳደራትን ማሕበረ ሰብ ስፖርትን ከምዝገለጽዎ ኣይርሳዕን።

 

ኤርትራ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ብእተርዮ ዘሎ ዓወታታ፣ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ንሽልማት ብሉጽ ተቐዳዳማይ ካብ ዝተረቑሑ ሓያሎ ተቐዳደምቲ እቶም ኣርባዕተ ኤርትራውያን ክኾኑ እንከለዉ ንሳቶም ከኣ፣- ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፣ ኣብ ዙር ፈረንሳ 2015 ዝተሳተፈ መርሃዊ ቅዱስ፣ መኽሰብ ደበሳይን ናትናኤል ብርሃንን’ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነዚ ክብሪ’ዚ ዝተዓወተ ተቐዳዳማይ ኤርትራዊ መኽሰብ ደበሳይ’ዩ።

ኣብ 2013 ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሊዊስ ሜንቲጀስ ኣብ 2012 ከኣ ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ ተዓወቲ ብሉጽ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኣፍሪቃ ምዃኖም ይፍለጥ።

ኣብዚ ካብ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ብዝተዋጽኡ ክኢላታት ቅድድም ዝቖሙ ደያኑ ትማሊ 17 ታሕሳስ ዝሃብዎ ድምጺ፣ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ብርሃነ ተዓዋቲ ብሉጽ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኣህጉር ኣፍሪቃ ምዃኑ ከረጋግጽ እንከሎ፣ ካልኣይ ንዳኒኤል ወዲ ጋንትኡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሊዊስ ሜንንቲጀስ፣ ሳልሳይ ከኣ ኣባል ክለብ ስክይዲቨ ናይ ዱባይ ቱኒዝያዊ ራፋ ሹተዊ ኮይኖም’ዮም ተረቑሖም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ኣባል ክለብ ባይክ ኤይድ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ መኽሰብ ደበሳይ፣ ናብታ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ጸንቢር ዘላ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ኤምቲኤን ኩቤካ ተሰጋጊሩ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0