መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መቐለ ኣብ ዘካየዶ ደብዳን ድሮን ብውሕዱ 10 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ

Radio Erena: 15 September 2022

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ትማሊ 14 መስከረም ኣብ ከተማ መቐለ ብዝቐጸሎ ደብዳብ ሰብ ኣልቦ በረርቲ ወይ ድሮን ብውሕዱ 10 ሰባት ከምዝተቐትሉ፣ ንሰብ ሞያ ሕክምና ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ መንግስቲ ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ መዓልታት፣ ኣብ መቐለ ጥራይ ንዩኒቨርስቲ፣ ዓይደር መወከሲ ሆስፒታልን መደበር ራድዮ ድምጺ ወያነን ቴሌቪዢንን ትግራይን ዒላማ ዝገበረ ደብዳብ ምክያዱ ሰበ ስልጣን ትግራይ ከሲሶም።

ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ሓያሎ ሰለማውያን ሰባት ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ክኾኑ እንከለዉ፣ ራድዮ ድምጺ ወያነን ቴሌቪዥን ትግራይን ድማ ተቛሪጹ ምህላውይ ኣተሓሳሲቦም።

ኵናት ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ሳልሳይ ሰሙኑ ኣቑጽሩ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ባይታ ዘሎ ምዕባለታት ብዝርዝር ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ መንግስቲ ግና ተደጋጋሚ ደብዳብ ድሮን ይቕጽል ኣሎ።

ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ፣ ታደሰ ወረደ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ብኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተፈነወ ዝተወሃሃደ መጥቃዕታት ኣብ ምምካት ከምዘለው ብምጥቃስ፣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ክልቲኦም ወገናት ከቢድ ክሳራታት ከምዘብጽሑ ሓቢሩ።

ንሱ፣ ብፍላይ ኣብ ደደቢት እብ ዝተኻየደ ውግኣት፣ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝተደምሰሰን ናብ ዕላምኡ ንምብጻሕ ከምዝተገትአን ገሊጹ።

ብወገን ኤርትራ ኵናት ይቕጽል ምህላዉ ዘረጋገጸ ታደሰ ወረደ፣ ሰራዊት ኤርትራ ንከተማ ሸራሮ ተቖጻጺሩ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ባይታ ዘሎ ናይ ውግእ ኩነታት ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ ኣይከኣለን።

መንግስቲን ህወሓትን ምቁራጽ ቶኽሲ ብምኽታም ናብ ዘተ ንሰላም ክቐርቡ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ድፍኢት ይገብር ኣሎ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0