ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ ናብ ኬንያን ኤርትራን ይበጽሕ

Radio Erena: 15 September 2022

ሚኒስተር ዴ’ታ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፣ ቨላምቨሊ ሙራለድሃራን ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ህንዲ ናብ ኤርትራን ኬንያን ናይ ስራሕ ምብጻሕ ምክያዲ ቤት ጽሕፈት እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር ኣብቲ ብ13 መስከረም ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ ቃለ መሓላ ሓድሽ ፕረዚደንት ድሕሪ ምስታፍ’ዩ ናብ ኣስመራ ኣመሪሑ።

ኣብቲ ሎሚ 15 መስከረም ኣብ ኣስመራ ዝጸንሓሉ ዑደት፣ ኣብ ዝምድና ሃገሩን ኤርትራን ብምትኳር ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ተመያይጡ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ህንዲ፣ ካብ 13 መስከረም ኣትሒዛ ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ኣምባሳደር ምምዛዛ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ህንዲ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ብደረጃ ቆንስል ዝነበረ ኤምባሲኣ፣ ካብ ነሓሰ 2019 ናብ ደረጃ ኣምባሳደር ከምዘዕበየቶ ይዝከር።

ዝምድና ኤርትራን ህንድን ኣብ ትምህርቲ፣ ሕርሻን ንግዲን ዘተኮረ ኮይኑ፣ ኤርትራ ካብ ካብታ ኤስያዊት ሃገር መማህራን፣ ከም ዓደስን ብርስን ዝኣመሰለ መግብታትን ኣጭርቅቲን ከተምጽእ እንከላ፣ ህንዲ ብወገና ዓመታዊ ን10ታት ኤርትራውያን ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ማህደረ ትምህርቲ ከምእትህብ ይፍለጥ።
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0